ብዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ኣብ ሊድስ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ዘተ ጌርና ምንባርና ይዝከር። እታ ዕለት ዝፈረየታ ግዝያዊት ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰፊሕ ኣኼባ ንኽትጽውዕ ብምልባው ዘተና ብውዕውዕ ሃገራዊ ስሞዒት ዛዚምና። ግዝያዊት ኮሚቴ ዝተዋህባ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ ንምቕራብን ንዝሰሐ ሃገራዊ ዘተ ንምግባርን ንዕልት 28 ግንቦት 2011 ሰዓት 2 ድ. ቀ. ኣብ ዩክሬንያን ኮሙኒቲ ሰንተር ክትርከቡ ትዕድም።
ነቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘየብሉ ኣደራዕ ናብ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካን ዓለምን ህጹጽ መጸዋዕታ ንምግባርን ፍታሕ ንምንዳይን “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።
ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።
ህዝባዊት ሽማግለ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ዘተ ምስ ህዝቢ ብዝብል ተበግሶ ብዕለት 05.02.2011 ምክያዳ ዝዝከር ኢዩ።
በቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ከተማታት ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝጸንሐ ኣኼባታት፡ ንምጥርናፍ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ካብ ጀነራል ክሳብ ኮፕራል፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ኣብ ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ተዕወንውን ዘለኻ ጅግና ኤርትራዊ!
ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።
ነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ሃገራዊ ተቓውሞ ብምብራዕ ትእምርቲ ህዝባዊ ተቓውሞን ለውጥን ዝኾነ ቱኒዝያዊ መንእሰይ ሙሓመድ ቦዋዓዚዚ
ዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።
ንቀዳም ዕለት 4 ታሕሳስ 2010 ንኡስ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ፣ ቦኽሪ ኣኸባ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ጀርመን
ብመሰረት እቲ ብዕለት 28 ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።
ብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።
ንጽባሕ
መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።
እቶም ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ኣሕዋት፡ ተሞክሮታቶም ንህዝቢ ንኽገልጹን፡ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ምሳኹም ንኽመያየጡን ኣኼባ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም፡፡
ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን በቲ ኣቐዲማ ብኣባላትኮምሽ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጉዳይ ጠቕላላውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፣
እቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።
ንዕለት ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2010 (October Sunday 17, 2010)
ንዕለት ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2010 (October Sunday 17, 2010)
ክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ።
ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ብዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት፣ ንቀዳም 9 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ (Los Angles) ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር መዲቡ ኣሎ።
ንዕለት 10 ጥቅምቲ 2010 ንኹሉ ግዱስ ዜጋ ዘሳትፍ ክፉት ህዝባዊ 
ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሚክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።