Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ኣሰና ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011

 ኣሰናክቡር ህዝቢ ኤርትራ ! ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ሓዳስ ዓመት 2011፡ ከም ንቡር ሓደ ክልተ ኢላ ዕለታ ምድማር እትጅምረሉ ወቕቲ፡ ንስኻ ‘ውን ሓደ ክልተ ኢልካ መዓታትካ ምጕዳል እትጅምረሉ ዓመተ ቃልስን ተስፋን ዓወትን ክኾነልካ ዘለና ድሌትን ተስፋን ንገልጸልካ።

isaiasገምጋም ናይ ዝሓለፈ ቃልሲ ምግባር። መንጠሪ ባይታ ናብ’ታ ንሓልማ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ድኣ  ‘ምበር። ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታት ውድብ ንምውንጃል ኣይኮነን፣ ኩሉ ገምጋም ናይ እዋን ገድሊ ይኹን፡ ዓመታት ናጽነት።

isaiasገምጋም ናይ ዝሓለፈ ቃልሲ ምግባር። መንጠሪ ባይታ ናብ’ታ ንሓልማ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ድኣ  ‘ምበር። ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታት ውድብ ንምውንጃል ኣይኮነን፣ ኩሉ ገምጋም ናይ እዋን ገድሊ ይኹን፡ ዓመታት ናጽነት።

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ  ኢዮም ዝእሰሩ። ዋላዃ  ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና  መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ።

ብ18ን 19ን መስከረም 2001፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ገዳይምን ህቡባትን ተጋደልቲ (G15)፡ ፕረዚደንት ብሕጊ ኪቕየድ፡ ቅዋም ኪትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኪርከብ፡ ናጻ ፖለቲካውያን ማሕበራትን ሰልፍታትን ኪቆማ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኪፈርስ፡ ሃገራዊ ገምጋም ስራሕ ኪግበር፡ ብምሕታት ናብ ህዝብን ተጋደልትን ቅሉዕ ደብዳቤ ዝጸሓፉ መራሕቲ፡ ብንግሁኡ ተሃዲኖም ተወሲዶም ደሃዮም ጠፍኤ።

      ከም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ስለ መሰልን ፍትሕን፡ንነዊሕ ዓመታት ቁርን ኣ ስሓይታን ተገሪፍኪ፡ጎቦ ደይብኪ፡ጎላጉል ወዲእኪ ንኣህለኽቲ ኩነታት ተቓሊስኪ፡ከም ኩሎም መቓልስትኺ ተዓዊትኪ።እዚ ኩሉ ጻዕርን ከርተት ምባልኪ ከኣ፡ኣብ መንጎ መግዛእትን ነጻነ ትን፡ኣብ መንጎ ድርብ ጭቆናን ፍትሕን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእኪ፡ኣድልዎ ሃኒጹዎ ዘነበረ ኣገ ባብ ኣዕኒኺ፡ንዝጎደለ መሰል ክትሕለቒ፡ድግድግታኺ ሸጥ ኣቢልኪ በረኻ ምውጻእኪ ዘይሰሓ ት፡ርእሺ ኩሉ ክነኣኣስ ዘይግበኦ ዓብይ ተኻፋልነት ኢዩ።

ክክኤምነስቲ እንተርናሽናል(ai) ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክቃወምን ስክፍታኡ ክገልጽን ጸኒሑ።