Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

leedsኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኩነታት ሃገርናን ዝብናን ብሓባር ክንዝቲ ዝብል ንነበርቲ ሊድስን ከባቢኣን ምልክታ ኣብ ኩሉ ሊድስን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ማዕከናት ዜና ምቅላሕና ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ንዘተ ድሉው ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ዝተፈላለዩ  ኣሕዋት ዝበጽሓና ሓቤረታ  ብምስትብሃል ዓቕምና ዝፈቕዶ ምድላዋት ክንገብር ቅኒና።

Leedsብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።

ሰነ 20 መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ሊድስ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ መደብ ብማሕበረ ኮም ኤርትራ ከተማ ሊድስ ዝተወደበ ኮይኑ ኣዳራሽ ብምክራይ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ሊድስ ብእዋኑ ናብቲ ንመራኸቢ ዝተመደበ ቦታ ብምውሓዝ ሓቢሮም ንሰማእታቶም ብሕልና ዘኪሮም ኣምስዮም። እዚ ኣብ ከተማ ሊድስ ንመበል 4ይ ዓመቱ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ ክቡር ዕለት ከምቲ ልሙድ ሽምዓ ብምብራህ ንሕድርን ለበዋን ጀጋኑ ሰማእታት ዘንጸባርቕ መዝሙር ተዘሚሩ መደረታት ብዝተፈላለዩ ወልቀሰባት ድማ ተሰሚዑ።