ስነፍልጠት ቀንዲ መንኮርኮር ቁጠባዊ ዕብዬትን ዓንዲ ማእከል ብቕዓት ሃገርን ምኻኑ ንኹሉ ቅቡል እዩ።
ስነፍልጠት ቀንዲ መንኮርኮር ቁጠባዊ ዕብዬትን ዓንዲ ማእከል ብቕዓት ሃገርን ምኻኑ ንኹሉ ቅቡል እዩ።
ስነፍልጠት ቀንዲ መንኮርኮር ቁጠባዊ ዕብዬትን ዓንዲ ማእከል ብቕዓት ሃገርን ምኻኑ ንኹሉ ቅቡል እዩ።
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።
ኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ሓደ ዓቢን ኣድማዕን ሰላማዊ ሰልፊ ንዕለት 18.04.2011 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሄሰን ክግበር መዲበን ኣለዋ።
ጋንታ ኣመሪካ ምስቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንሊብያ ዘዕኑን ነቲ ስልጡን ዓለም ዘሕዝንን ኲናት ሕድሕድ ኣብ ትሪፖሊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘካይዶ ርክብ ይቕጽሎ ኣሎ።
ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።
ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።
ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።
መጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ
ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡ’ውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
እቶም ሽዑ ኣብ ሳዋ ዝነበርና ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣሰራርሓ መንግስቲተ ተቓዊምኩም፡ ፍትሒ ደሊኹም፡ መሰልኩም ሓቲትኩም ብዝብል ምኽንያት ናብታ ሃናጺት መንእሰይ እትብሃል ሳዋ ብድሌትና ዘይኮነ ብሻምብቆ ብረት ተገዲድና ወሪድና።
እቶም ሽዑ ኣብ ሳዋ ዝነበርና ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣሰራርሓ መንግስቲተ ተቓዊምኩም፡ ፍትሒ ደሊኹም፡ መሰልኩም ሓቲትኩም ብዝብል ምኽንያት ናብታ ሃናጺት መንእሰይ እትብሃል ሳዋ ብድሌትና ዘይኮነ ብሻምብቆ ብረት ተገዲድና ወሪድና።
ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 5 መጋቢት፣ ኣብቲ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኖርወይ ዝተዳለወ ምሸት፣ 8 መጋቢት ብዓቢ ድምቐት ተጸንቢሉ ኣምሰየ።
ህዝባዊት ሽማግለ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ዘተ ምስ ህዝቢ ብዝብል ተበግሶ ብዕለት 05.02.2011 ምክያዳ ዝዝከር ኢዩ።
በቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብኣንክሮ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ። ዝተፈላለየ መንስኤ ዘለዎ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት። ኣብ ጉዕዞ ፍልሰት ስደቶም ክገጥሞም ዝጸንሔ ሽግር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት።
ተወሳኪ ሐቤሬታ
መደብ በዓል 8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
ከተማ ፍራንክፎርት ጋሉስ ቫርተ
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ቃልሲ ካብዝገበሮ ብዘይፍለ ፡ ሕጂውን ኣብ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ፡
ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።
ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ኣልማማ ግፋ ዘካይድ ዘሎ፡ ካብ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ከተማ ዝኣተዉ ይኹኑ ካልኦት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተጸምበሩ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ብብዝሒ እንተጸኒሖም ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝሎ ናዕቢ ከበግሱ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ምዃኑ የረድኡ።

በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ብዛዕባ’ዚ ኣብ መስር ተረኺቡ ዘሎ ኣደናቂ ዓወት ህዝቢ ንኹሉ ጸሓፋይ ኮነ ተዛራቢ በየን ጀሚርካ በየን ትውድእ ኩፋት ማዕጾ ኮይኑ’ሎ፣ ብዙሓት ሰባትሲ ወረ ኣብ ተሌቪዝን እናዳተዛረቡ ብሓጎስ ንብዓት ሲዒርዎ’ዩ፣ ዓጀብ !
ህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።
ህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘይርኤ ክፉእ ነገር ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ግናይ ጭፍራ እኽብካብ ህግደፍ፡ ሕድሪ ጀጋኑና ብምጥላም፡ ንሃገርናን ህዝብናን ክግለጽ ዘይከኣልን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣደራዕ ኣውሪዱሉን የውርደሉን አሎ።
ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ዓድና/ኤርትራ/ ክነግስን ክኸብርን ሓቢርኩም ምሳና ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ።
ሪፖርታዥ ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ
ማሕበር ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኤርትራውያን(Eritrean law society) ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ዋዕላ ኣህጉራውያን ጠበቓታት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳቲፉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ካሎኦት ኣገደስቲ ሰባትን ብምርኻብ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ።