Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ኩልና ከም እንፈልጦን እንርድኦን ሃገርና ኤርትራ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ንመዋእል ዝተዳህከት ሃገርን ክሳብ ሎሚ ህዝብታታ እፎይ ኢሉ ክነብረላ ዘይካኣለ ብመግለጺ ዘይርከቦ ግፍዕን ጭቆናን ዝነበረትን ድሕሪ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ደቃ ዝተራጋገጸ ኤርትራዊ  ልኡላውነት እንተ ኾነውን ብዝኸፋኤ መልክዑ ብጭካነን ፍትሒ ኣልቦን ንኽትገልጾ ዘሕፍርን ማዓንጣ ከብድኻ ዝኹምትርን እተሕልፍ ዘላ ሃገር ምዃና ምስክር ዘየድልዮ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ምዃኑ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።