Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብቲ ፕረዚደንት በሽር ኣስመራ ዝበጽሓሉ መዓልቲ፡ ማለት ሰኑይ 23 መጋቢት ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣስመራ ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ስነስርዓት ኣቀባብላ በሽር ንምድማቕ፡ ተገዲዶም፡ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ከምዝወዓሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ስርዓት ህግደፍ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ይኣስር ምህላዉ ዝሕብር ዜናታት ንሰምዕ ኣሎና:: እዚ ምልክት ጭንቀትን ዓቕሊ-ጽበትን ዝኾነ ስጉምቲ'ዚ: ነቲ በብዅርንዑ ብዘገምታ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰዓቱ ሓልዩ ከይነትጕ ምእንቲ: ናይ ራዕድን ሽበራን ኩነት ፈጢርካ ንምዕፋኑን እንተተኻኢሉ ድማ ንምበርዓኑ ዝተወጠነ ናይ ፍርሒ ስጉምቲ ኢዩ::

ጥልመትን ክሕደትን ኣብ መላእ ዓለም ብኹሉ ፍጡር ዝተፈንፈነትን ጥራይ ዘይኮነት ውግዝቲ ኢያ። በዛ ቃል እዚኣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኮነ ኣብ ናይ እምነት መዳይ ብተደጋጋሚ ትጥቀስን ብብሩህ ክትልለ መግለጺ ክወሃበላን ክትደግገምን እውን ምዕዶን ምኽርን ብተደጋጋሚ ይትረኽ።