Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

ብ18ን 19ን መስከረም 2001፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ገዳይምን ህቡባትን ተጋደልቲ (G15)፡ ፕረዚደንት ብሕጊ ኪቕየድ፡ ቅዋም ኪትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኪርከብ፡ ናጻ ፖለቲካውያን ማሕበራትን ሰልፍታትን ኪቆማ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኪፈርስ፡ ሃገራዊ ገምጋም ስራሕ ኪግበር፡ ብምሕታት ናብ ህዝብን ተጋደልትን ቅሉዕ ደብዳቤ ዝጸሓፉ መራሕቲ፡ ብንግሁኡ ተሃዲኖም ተወሲዶም ደሃዮም ጠፍኤ።