ኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ደጊሞም ግምርግጋጽ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።
እቲ ሞቱን ህይወቱን ምስ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዘተኣሳሰረ ገበነኛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ብህዝባዊ ማዕበል ህዝቢ ሊብያ ዝግረፍ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ንምድሓን 200 ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዃን ኣብ ሳሕል ዝተዓለሙ ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ሊብያ ሰዲዱ ‘ሎ።
ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ኣቦ ወንበር ህ.ግ.ደ.ፍ፣ቻንስለር ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ነበር፣ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ባይቶ ነበር፣ ሃየ በል ጊዜ ኣኺሉ ነጋሪት ህዝቢ ይሃምም ኣሎ።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።











ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።
ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።
ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።