Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

is ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ተቐማጦ ናይታ ዓዲ ነዚ ዓቕሊ-ጽበታዊ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰዱ ብጥምየትን ሕሱም ጸቕጢ ስርዓት ህግደፍን ተገዲዶም ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ተቐማጦ ከባቢ መንደፈራን ዓዲ ቐይሕን በቲ ወሪዱዎም  ዘሎ ጥምየትን ሕሰም መነባብሮን ዝርእዩዎ ስኢኖም ነቲ ስርዓት ጭንቀቶም ምስ ገለጹሉ፡ ‘ናብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጎልጅን ገርሰትን ኬድኩም ሓሪስኩም ብልዑ’ ስለዝበሎም ዝገዓዙ ብዙሓት ስድራቤታት ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ። Amb

welwelTes                                                                

cabineባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Eri Airforceፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኩሎም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንብረቶም ገዲፎም ንሎሚ (06.12.2008) ናብታ ከም ቤተመንግስቲ ዝጥቀመላ ዘሎ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ክወርዱ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ፡ እንተኾነ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ንትእዛዙ ብስሙር ድምጺ ነጺጎሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

isaiasሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ንምቑጽጻር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ምብጽሑ ዝተራእዮ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሻቕሎቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓሪጉ፡ “ስልጣን ብሰላም ክለቅቕ” ይማታእ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

aboኣብዚ ቕንያት’ዚ ዲክታተር ኢሰያስ ኣብ ዞባ ደቡብ ዑደት ብምግባር ንኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርትን ኣብ ዝኣከበሉ ጊዘ፡ ኩሉ አቲ ሓረስታይ ዝሓረሶ ርብዒት ትኹን ፍርቂ ርብዒት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ ኣብ ታሕሳስ ክንእክቦ ስለዝኾና ኣበርዒኩም ክትሰርሑ ኣለኩም አሉ ምስ ተላበዎም፡ ሓደ ኣቦ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ “ኣንታ ኣበርቲዕኩም ስረቑ ድዩ ዝብሎም ዘሎ? ክብሉ ዘረባ ደርጉሑዎ። 

MHISዋላ ‘ኳ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብርዒ ስም ተጠቒመ ክጽሕፎ እንተተገደድኩ፡ ነዚ ናይ ዝፈትዎ ዓርከይ መዘከር ምጽሓፍ
ሕልናዊ ዕዳ ስለዘቃለለይ ቁሩብ እረክእ። ኣነን መሓመድን ኣዚና ጥቡቓት ኣዕሩኽ ብምንባርና፡ ብሓንሳብ ብዙሕ ግዜ
ነሕልፍ ነበርና። ነንሕድሕድና ኣጸቢቕና ስለእንተኣማመን ከኣ ነጻ ኴንና ነዕልል። ኣብ መንጎ ክልቴና ምስጢራዊ
ጉዳይ ዝብሃል ኣይነበረን ክብል እደፍር።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሎም ህጹጽ ጻውዒት ብሃንደበት ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

isuሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኤርትራ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ድሕሪ ዝተኸየደሉ ፈተነ ቅትለት ብምስጢር ካብ ኤርትራ ወጺኡ ደሃዪ ተሓቢኡ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱን ሓደ ሓለዋኡን ኣብ ቦለኛ ዓዲ ጥልያን  ከምዝተራእየ ምንጭታትና ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።

20 seneፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ።

ኢሳያስፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ክጻወት ከምዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣፍሊጡ።

Isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሰፊሕን ዝርዝራውን ቃለ-መሕትት ኪገብር ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።