ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ክፍጽም እዩ።
ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ክፍጽም እዩ።
መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝቐነየን ዘሎን ምስንዳኣት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኣጀንዳ ብምውሳድ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣጽኒዑ ኣድላይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎን ዘይብሉን እናበለ ህዝቢ ብምፍልላይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሰብ ኣለዎም ዝበሎም ብኩቦን ሃለኽቲ ናይ ምግዛእ መሰሎም መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝብን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦምን ተወሳኺ ጸቕጢ ብምፍጣር ገንዘብ ንምኽዕባት፡ ተንኮላዊ ውጥን ኣዋዲዱከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ቀንዲ ክጽሕፈሉ ዘንቀለኒ ጉዳይ ነዚ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ክካየድ፡ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝባሃለሉ ዘሎ ጎዳይ ኣንጻር ባይቶ ጸጥታ ዝቀንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ገለ መነቃቕሒ ወስ ከብል ስለዝደለኹ እዩ።
ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ዓንዳሪ ፖሊሲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2009 ማሕብረሰብ ዓለም ማዕቐብ ካብ ዝበየነሉ ግዜ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ’ዩ።እዚ ማዕቐብ’ዚ፡ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሩ ዝተፈ ፈላለ ማዕቐብ ውሽጢ ወሪዱዎ፡ሎሚ ኣብዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን፡ንሰዓት ናህሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዕንወት ሃገር ኣብዝረኣየሉ ክፉእ እዋን ስለዝተበየነ፡ክትቅበሎስ ይትረፍ ክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል’ዩ።
መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕቡእ-ቪድዮ ካሜራ ዝተቐረጸ ‘መንግስቲ ዘእንግዶ ራዕድን ፍርሕን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ምስክርነት ኣብ መደባታ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብራዕዲ ተዋሂጡ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወረድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣቃሊዓ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገር ኖርወይ፡ ንጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪተን ብቐጻሊ ሻቕሎተን ከቃልሓ ጽኒሐን። እቲ ብዝያዳ ዘሻቐለን ዘሎ ድማ እቲ ደረት ዝሰኣነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽተል ህግደፋዊ መዓት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝነውሓን ዝመረረን ዕጥቃዊ ናይ ነጻነት ቃልሲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘካየደ ህዝቢ ኢዩ።እዚ ንኣስታት ሓደ ክፍለ ዘመን ካብ ተቃውሞ መግዛእቲ ዘየዕረፈ ህዝቢ፡ንሰላሳ ዓመት ዘኣክል ምእንቲ መሰሉን ሰብእዊ ክብሩን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ዝከፈለ ዝደመየን ዝቆሰለን ንክትገልጾ ቃላት ዘይርከቦ ምዑትን ቆራጽን ንዓለም መስተንክርን ዝኮነ ሓርበኛዊ ቂያ ዝፈጽመ ህዝቢ ኢዩ።
ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዋእል ናጽነት፡ ነዚ ሕጂ ዝቃወምዎን፡ ክሳብ’ውን ዝኹንንዎን ዘለዉ ኣረምኔ ስርዓት ህግደፍ ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዓቢ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።
ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።
ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።
መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።
ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።
መሪሕነታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሓባራዊ ኣኼባኡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀሚሩ። ኣብ’ዚ ብብጾት መስፍን ሓጐስን ወልደሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበራት ላዕለዋይ ሓባራዊ ኣውሃሃዲ ኣካል ዝተመርሐ፡ 16 ኣባላት መሪሕነት ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ’ዚ፡ ሓፈሻዊ መእተዊ ብዛዕባ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝሓለፎ መስርሕ ናይ ሓድነትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መግለጺ ቀሪቡ።
ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘመቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊሩ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ብርክታት ቻይናዊት ትካል ጊሊ ኣወቶሞቢል ሆልዲንግ ክኸውን ዝበቕዐ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ሽወደናዊት ትካል መፍረ-መካይን ቮልቮ፡ ምስታ ቻይናዊት ትካል ኣብ ዝገበረቶ ውዕል ቢዝነስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ትካላት እንተዋፊሩ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ዕቃበታት ብሰንኪ ምርኣዩ፡ እታ ቻይናዊት ትካል ነቲ መስርሕ ውዕል ስለዝሰረዘቶ፡ በዚ ኸኣ ሽወደን ከምዝተቖጥዐት ምንጭታትና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብመንግስቲ ብዕሊ ከምዝተነግረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ህዝቢ ጥሜት እንተለዎ፡ ካብ ዓዱ ተዘናቢሉ ናብ ባርካ ኪኸይድ ድሉው ከምዘይኮነ ነቶም ሰበስልጣን የፍልጦም ኣሎ።
በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ኣሰቃቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግዲፍ መሰረት ብምግባር ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ንዕለት 28-02-2009 (ቀዳም መዓልቲ) ልክዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ክጅመር ምዃኑ እንዳሓበርና ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን ተረኺብኩም መረረኹም ክትገልጹ ብጥብቂ ንላቦ።
ኣየ ዘመን፡ ዘመን ግርንቢጥ
ኣብ ክንዲ ትኽ! እትብል ትጉብጥ
ኣብ ክንዲ ትስሕቕ፡ ትነብዕ
ኣብ ክንዲ ትሕበን፡ ትሓፍር ዘይትኾርዕ
እቲ ሰራዊት ኣልዒሉዎ ዘሎ ሕቶ ፡ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ‘ምበር ሕቶ ደሞዝ ከምዘይኮነ ኮሚተ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮን ዝሓለምናዮን፡ እቲ መዳርግቱ ውሑድ ዝኾነ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን፡ ከምሰብ ብክብረት ናይ ምንባር ባህግና ሎሚ ብመንገዲ ኣሰና ብዝቃላሕ ዘሎ ዘሐብን ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ድቕድቕ ጸላም ናብቲ ወገግ ዝበለ ብርሃን ተሰፋ ተገማጊሙ ንዕዘብ ኣሎና።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ ነፍሒ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ቅድድም ብሽግለታ ክሮኖሜተር ንምዕዛብ ኣብ መስመር ማይነፍሒ ብ25 ታሕሳስ 2008 ኣብ ዝተዘርግሑሉ መስመር ንመንእሰያት ዘለዓዕል ጽሑፋት ተዘርጊሑ ከምዝሓደረ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም::
ሕጂ፡ ን ‘እንታይ ስለምንታይ’ ‘ውን ግዜ የብልካን። ምጕት ሰዓቱ ሓሊፉ፡ በደልን በዳልን ተቐሊዑ እዩ። ዋጋ ናይዚ ኹሉ ጃምላዊ ኣደራዕካ ሓንቲ ቓል እያ። “እምቢ!” ብሓደ ድምጺ። ዳኛ ንስኻ ተዳናዪ ንስኻ ኢኻ። እቲ ለውጢ ብኣኻ ንዓኻ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ከኣ ግዴኻ እዩ።
ኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ስርዓተ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ዝጽይኑሉ እንኮ ምኽንያት እንተልዩ፡ ሽፍትነትን ውዲትን ኣብ ቅድሚ ‘ቶም ናይ ተሓታትነትን ግልጽናን መድረኻት ዝኾኑ ዲሞክራስያዊ ትካላት ኣሳልጦ ክረክብ ዕድል ስለዘይብሉ እዩ።
ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሮ ውድቀቱ ምህላዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ካብቲ ኩሉ ዝሕዝን ግና ህዝቢ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ እዩ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንጥበር ክነብር ኩሉ እቲ ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ሓሳረ መከራ ከጣዕሰና ክነብር ምኻኑ ድማ ጽባሕ ንግሆ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከም ዝህሉ ርጉጽ እዩ::ገለ ካብቲ ን ስርዓት ሕግደፍ ካብ ውድቀት ዘየድሕንዎ ረቓሒታት ክጠቅስ
ዮሃና ንመበል 47 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡