Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Truthሓበሬታ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይሊ ‘ዚ ከየዋህለልካ፡ ክትወፍር፡ ወፊርካ ከተፍሪ ወይ ወፊርካ ክትኣቱ ኣይከኣልን። ኣሰና ነዚ ጽንሰ-ሓሳብ’ዚ ሒዛ እያ ነቒላ ። ነጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምስላጥ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዓይኒ ዘይብሉ፡ ኣዒንቲ ዘዐምት: ኣእምሮ ዘደንቍር መርዛም ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተላቒቑ፡ ንቑሕ ውሳኔ (informed decision) ንኽወስድ ባይታ ምፍጣር እዩ ቀንዲ ተልእኾኣ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝነውሓን ዝመረረን ዕጥቃዊ ናይ ነጻነት ቃልሲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘካየደ ህዝቢ ኢዩ።እዚ ንኣስታት ሓደ ክፍለ ዘመን ካብ ተቃውሞ መግዛእቲ ዘየዕረፈ ህዝቢ፡ንሰላሳ ዓመት ዘኣክል ምእንቲ መሰሉን ሰብእዊ ክብሩን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ዝከፈለ ዝደመየን ዝቆሰለን ንክትገልጾ ቃላት ዘይርከቦ ምዑትን ቆራጽን ንዓለም መስተንክርን ዝኮነ ሓርበኛዊ ቂያ ዝፈጽመ ህዝቢ ኢዩ።

ዝከበርካ ኣንባቢ መሰል ድምጹን ሓሳባቱን ከቅርብ ዘይክእል፣ ሽግራቱ ኣብ ጊዜኡ ክፈትሕ ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኪሰ ክጽሕፍ እንከለኹ፣ ብዙሕ ትዕዝብትታት ስለዘሎኒ እዩ።