Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

afabetኣብ ኣስማሪኖ.ኮም ይኹን ኣብ ኣሰና.ኮም፡ ብዕለት 31/03/2010 ብብርሃን ሓጎስ ዝተጻሕፈ ተመልኪትናዮ። ጀነራል መስፍን ሓጎስ፡ ቀጺሉ ናይ ኣፍዓበት ኣንበሳ፡ ( The Lion of Afa’Abet)  ተባሂሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝተጋነነ ሓዲሽ ታሪኽ ሰሚዕና ሱቕ ኢልና ክንሓልፎ ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ሕልናና ኣይፈቐዶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ነዚ ዝተጋነነ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ታሪኽ ክጸሓፍ ተደልዩ፡ ስለምንታይከ ናደው እዚ ንምፍራስ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣንበሳ ዘይተባህለ።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።

እቲ ህግደፍ ካብ ዕለት 11 ክሳብ 13 .2008 ኣብ ኣይስ-ስፖርት ሃለ ተካይዶ ብስም ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ናይ
ፖለቲካን  ኣዕናዊ ምትኽኻብ ንምኽሻሕ ነቶም ኣባላቱን መሻርኽቶምን ኣድላይ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጠብና ማለት
ዘበት ኢዩ።