ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡
ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣
ኣቦታት ክምስሉ “ መኺርካ ዝገበርካዮን ኣድቒኻ ዝመተርካዮን እቲ ኣይሓምቅ እቲ ድማ ኣይሓንቅ ይብሉ።” ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ውን እንተኮነ ሓደ ሽግር ዝዓበይ እንተዓበየ ዝበርትዔ እንተበርትዔ እቲ ቀንዲ መፍትሒኡ ንምፍትሑ ድልው፡ ኣብ ባይታ ኣወሪድካ ክትዝትየሉ ከኣ ቁሩብ ምዃንን ኢዩ።
ናይ ሓዘን መግለጺ – መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን
ንዕለት 18 ሓምለ 2010 ኣገዳሲ ኣኼባ ስለ ዘሎ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ምሳና ሓቢሩ ብዛዕባ ሃገሩ ክዝቲ ብትሕትና ንዕድም።
ዝኸብርኪ/ዝኸበርካ ወዲ/ጓል ሃገር፡ ብቐዳምነት ምዉቅ ሕውነታዊ ሰላምታ ይብጻሕካ/ኪ።
ኣብ ከተማ ህይስተን ቴክሳስ ብደገፍትን ሚሊሻታትን ስርዓት ፋሽስቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ንዝተፈጸመ ገበንን ዓመጽን ንምቅላዕን ነቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቅራብን ዝዓለመ ሰልፊ ምኻኑ ከነነጽር ንፈቱ።
ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።
ዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
ሰንበት ሰነ 6 / 2010 አብ ከተማ ቶሮንቶ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ናይ ሰሜን አመሪካን /ካናዳን ወኪል አሰናዳዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ መግለጽን መምርሕታትን ክህብ ይመጽእ ስለዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓድነት ህዝቡን ሃገሩን ዝሓልን ፤ዝግደስን አብዚ ታሪኻዊ አኼባ ተረኺቡ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ከበርክት ብኽብሪ ይዕደም።
ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ክፍጽም እዩ።
ግዱሳት ኤርትራውያን ተሓባበርቲ ኣሰና ካብ ከለን፡ ጀርመን
These public meetings are taking place as part of the worldwide Eritrean movement to bring democracy, justice and peace in Eritrea.
ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር።
Release
ምሓዙት ኣሰና ጨንፈር ዓዲ እነግሊዝ ኣሰና ሜድያ ፍውንዴሽን ንምሕጋዝ ቶሺባ ዝዓይነታ ላብቶብ ገዚኡ ክግበሮ ዝጸንሐ ሎቶሪ ንዕለት 30 ግነቦት 2010 ስዓት 6.00ድቀ ኣብ ከባቢ ሰቶክዌል ስቴሽን ክትወድቕ ወሲኑ ኣሎ. ኩሉኹም ትኬት ዝገዛእኩም ንመን በጽሓቶ ብዓል ዕድል ንምምስካር ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም.
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክርሳዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና እነሆና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ጉዱሳት ኤርትራዉያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም።
ERITREAN YOUTH GLOBAL MOVEMENT –
ልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገብር ስለዘላ፡ ኩሉ ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብዚ ኣኼባ ‘ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።
May 25 Amnesty event on JOURNALISTS AT RISK
ዓመታዊ ብዓል ማርያም ደዓሪት ቀዳም ዕለት 22 ግንቦት 2010ዓም ኣብ ከተማ ጀኔቭ ስዊስ ክንገድ ስለ ዝኾነ ንኹልኽን/ም ብኽብሪ ንዕድም።
ብላዕለዎት መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝምራሕ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ
ይኣክል ውልቀምልኪ ንለዓል ንልዕልና ሕጊ - ጽምብል በዓል ናጽነት ኣብ ኦክላንድ
ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ
መጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን
ክቡራት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣቐዲምና ድሕነትኩም ንትምነ ቀጺልና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ተመስሪቱ ንዘሎ ሓድሽ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ክነላልየኩም ንፈቱ።
ሎምዘመን እውን ከም ዓሚ ሕብረት ኤርትራውያን/ ስዊደናውያን ብርገሳውን ፖሊቲካውን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ፣
ብምኽንያት እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንወርሒ ሐምለ 2010 ዓ.ም. ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ
ኣብ ጀርመን ከተማ ከለን ከባቢኣን ዝርከቡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንታሪኻዊት ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ንምብዓል ምሽብሻብ ንገብር ኣለና።
ኤርትራ ነጻነታ ካብ እትውንን 19 ዓመታት ከተቑጽር ሓደ ወርሒ ተሪፉኒ ትብል ኣላ። እንተኾነ ግን እዚ ብኽንደይ ቀያሕቲ ተኸፊሉ ዝመጸ ነጻነት ብሰንኪ ውሑዳት ስለ ዝተባሕተን ዝተጠልመን በቶም ምስእዚ አብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብ ኣካይዳን ሰነ ሓሳብን ዘይንቃዶ ውልቀሰባትን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ክበዓል የብሉን ማለት ኣይኮነን ወይ ውን በቲ አብ ስልጣን ዘሎን ውሑዳት ደገፍቱን ጥራይ ክበዓል ኣለዋ ማለት ከምዘይኮነ ዉን ክሰሓት የብሉን።
ኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132 ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።
ንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና
እቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ክግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ከም ዝወሰንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡
ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ኖርወይ ጸረ ህግደፋዊ ዕንደራ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብ`ዚ ሰልፊ`ዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና፡፡
ማሕበረኮም ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንመን እዩኸ ከገልግል ዝግበኦ? ሽሙ ከም ዝሕብሮ ንማሕበረሰብዶ ወይስ ንውሑዳት ሰባት? ማሕበረኮም መሓውር መንግስታውያን ወይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ድዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ነቲ ይውክሎ እየ ዝብሎ ማሕበረኮም ብሙሉኡ ከይፈለየ እዩ ከገልግል ዘለዎ?
ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣ ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡ ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።