ድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።
ድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።
ዘበገስካዮ ዕላማን ትጽቢት ህዝብኻን ይሰማማዕ እዩ። ሕሉፍ ተሞክሮኻን ሕጽረታቱንዉን ኣይትዝንግዖን ኢኻ። ኣብ ቅድሚት ተጸፍዩ ዘሎ መንደላይዉን ካብ ክሻፋኻ ዝስወር ኣይመስለንን። ዝጫጭሖም ኣትማንዉን ኣብትሽትሽካ ከምዘለዉ ኣሚንካ ትድህለል ኣይመስለንን ። ከምዚ ሕጂ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ተባዕ ሕቶ ዘልዓሉ ምእንቲ ህዝቢ ዝተጣበቑ መራሕትኻዮም ንሸዉዓተ (7) ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ዝሳቐዩ ዘለዉን፤ ብሕማም ማሲኖም ናይ ሞት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎን።
ካብ 11 ዝተፈላለያ ክፍላተ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተሓርዩ ዝተዋጽአ ብ”ኮሚቴ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ” ዝፍለጥ ብመኮንናት ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ተቓውሞን መሰረታዊ ጠለባትን ብዝተወደበ መልክዕ ምስ ላዕለዎት ልኡኻት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዘተየሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ዲክታቶር ኢሳያስ አብ ገድሊ አብ ውሽጢ ሰራዊት አብ መራሕቲ ውድብ፤ ላዕለዎት ካድራትን አብ ዝተፋላሰየ ጊዜ ንገለ ከቕርብ ንገለ ክፈሊ ከሎ አብ ውሽጢ መሰረታው ያን ሐይልታት’ውን ከም ሐላይን ውፉይን ተመሲሉ ብምቅራብ ፈላላይ ጥበቡ ካብ ንሐድነትን ንሰላምን ምእንቲ ስልጣኑ አንጻር ሐድንት ዝተቃለሶ ይዓቢ፡፡
ልክዕዩ እቲ ለውጢ ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ዘተግብር ፕረስ ዘፍቅድ እሱራት ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘቅርብ ሕረስ ሓረስታይ ሸቅል ሸቃላይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ኩሉ ኢዩ፡፡ እቲ ኣውያት ኣውያት ንሓርነትን ናጽነትን ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እቲ ለውጢ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርቸራትን ዝተሞርኮስ ስምምዕ ዘምጽእ ክኸውን ከምዘለዎ ዘየማትእ ዕላማ ኢዩ፡፡ ነዚ መን የምጽኣዮ ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ፡፡ ኣብ ሰራዊት ይሃሉ ኣብ ስደት ይሃሉ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ብምክልኻል ሓይልታት ተጀሚሩ ዘሎ ክድገፍ ይግባእ፡፡
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዉሽጢ ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::
ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።
ነዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተፍጢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምብትታኑ ዝዕለመ: ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእኩ ኣባላት ናይቲ ብማዕበል ሰውራ ዝፍለጥ ሓለዋ መንግስቲ ናብ ኩለን እተን ዝቃወማ ዘለዋ ኣሃዱታት ስለያዊ መርበብ ይዝርግሕ ከምዘሎን ዕላምኡ ኸኣ ዘይተደለየ ሓድሕዳዊ ደማዊ ኲናት ምብራዕ ዝዓለመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጥምረት ናይቲ ኣሃዱታት ንምብትታን ተባሂሉ መራሕተን ክቕንጽል ቀዳማይ ዕማማቱ ከምዝተለመ ተፈሊጡ ኣሎ::
ኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ።
ሰራዊት ኢራን ብ ‘ሳብማሪን’ (ናይ ትሕቲ ባሕሪ መራኽብ) ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሰራዊት ብጀካ እቲ ዝዓጠቖ ባለስቲክ ሚሳይል ናይ ሩሑቕ ተንዘግዛጊ ሚሳይል ዓጢቑ ከም ዘሎን ብዝሑ ብርክት ዚበለ ከምዝኾነን ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ስርዓተ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ዝጽይኑሉ እንኮ ምኽንያት እንተልዩ፡ ሽፍትነትን ውዲትን ኣብ ቅድሚ ‘ቶም ናይ ተሓታትነትን ግልጽናን መድረኻት ዝኾኑ ዲሞክራስያዊ ትካላት ኣሳልጦ ክረክብ ዕድል ስለዘይብሉ እዩ።
ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።
ቓለመጠየቕ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ምስ ቴለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ብዛዕባ ‘ጉጅለ 15’
ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ፈነወ ራድዮ ተቓወምቲ ከይሰምዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ካሕሳይ ገብሪሂወት ንህዝቢ ናይቲ ዞባ ኣኪቡ ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝፍኖ ፈነወ ራድዮ ይኹን ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ከይሰማዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዒላበርዒድ ዝርከቡ ሰበስልጣን ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቦም።
ብፈለማ ደቒ ሃገር ኩሉኩም ከመይ ኣለኩም። መበገሲ ጽሑፈይ ኣብ መስከረም ዶት ነት ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ብ”ኣፍን ግብርን መራሕቲ ኪዳን ክቕላዕ መን እሰይ ኤርትራ ተሰራዕ” ዝብል ኣርእስቲ እዩ። መብዛሕትኡ እኳ ዝሰማምዓሉ ነጥቢ እንተሃለወ ኣብ’ቲ ዘይተሰማማዕኩሉ ነጥቢ ወስ ከብል እሞ ናብ ሓናጺ ዝኮነ ልዝብ ምእንቲ ክንኣቱ።
ሪፖርተር ስግር ዶብ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዛዕባ ደሞክራስን ነጻነት ፕረስን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ክስረዓ ከለዋ ገለ ሃገራት ካሪብያን ካብ ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝበለጸ ነጻነት ፕረስ ከም ዘለወን ኣብሪሁ።
58 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም: ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ተሪር ምግብዕባዕ የካይድ። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰነዳቶም ኣብ ሓደጋ ይሳጣሕ።
ክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ግብረሽበራውያን ትሕግዝ እያ ካብ ዝብል ሻቕሎት ተበጊሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ከምዘጽንዐት ኣገልግሎት ዜና ኣሾሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብ ሞሎኽሶይቶ ተድኵኑ ዝነበረ መዓስከር ስለያ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ፥ -ሓይልታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ(ግሃድኤ)
ዳም” ክሳተፍ
ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።
ዝኸበርኩም ዕዱማት! ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብዚ ምህላውኩም ነመስግን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ከኣ ንብል፡
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ብዲሞክራውያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ብምትሕብባር ጨናፍር ውድብ ግ.ሃ.ድኤ ዞባ ኤውሮጳ ዝተዳለወ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ (ፈስቲቫል ካስል) ካብ ዕለት 31/7 ክሳብ ዕለት 03/08/2008 ኣብ ከተማ ካስል ሃገረ ጀርመን ተኻይዱ ;
ኦ! ህዝቢ ኤርትራ ነበርቲ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ። ኩላትና ከም እንዝክሮ ኤርትራ ሃገርና ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን
መሪር መግዛእቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ መሬታዊ ናጽነት ኣብ 1991 ተረጋጊጹ’ዩ።
ካብ ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ንነጀው ዝቐረቡ ጸብጻብ ስርሓትን ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሰልፍን ብጉባኤ ምስጸደቐ፡ ጉባኤ ኣብ`ዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ሰለፊ ምምሕያሽ ጌሩ።