Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ – ሃይለ ሰኣላይ!

ሃይለ ሰኣላይ!!!!!የዕሪፍካዶ? ሓወይ! ዓርከይን! ተፈሊኻዶ? እሞኸ! ኣብ መገሻኻ በጺሕካዶ? ናብራ ዓለም! ተሳናቢትካያዶ? ከድካ ኣለኻ! ፡ ኩሉ ሰብ ዝኸዶ።   ብዓል መንደፈራ ሃይለ ተኽለ ብንእሱ ኸሎ ለይለይ እናበለ ቅድሚ ኩላትና ብሙያኡ ዝልለ ተማሃርይ ከሎ ሰኣላይ ዝተባህለ ክንደይ በራድ ሻሂሞ! ዘይከፈለ።   ሃይለ ተኽለ ብዓል ድበዛና ኣብ ማእከል ተኸላ መራሒትና ዓዲ

ሃይለ ሰኣላይ!!!!!የዕሪፍካዶ?
ሓወይ! ዓርከይን! ተፈሊኻዶ?
እሞኸ! ኣብ መገሻኻ በጺሕካዶ?
ናብራ ዓለም! ተሳናቢትካያዶ?
ከድካ ኣለኻ! ፡ ኩሉ ሰብ ዝኸዶ።
 
ብዓል መንደፈራ ሃይለ ተኽለ
ብንእሱ ኸሎ ለይለይ እናበለ
ቅድሚ ኩላትና ብሙያኡ ዝልለ
ተማሃርይ ከሎ ሰኣላይ ዝተባህለ
ክንደይ በራድ ሻሂሞ! ዘይከፈለ።
 
ሃይለ ተኽለ ብዓል ድበዛና
ኣብ ማእከል ተኸላ መራሒትና
ዓዲ ደግያት መሓሪ ብዓልዝና
ለባም ናይ ዓዶቦ ደብተር ሰራየና
ጠርኒፎም ዝጽሕፉ ሕጊ ዓደቦና
ብዘንጊ ዝመርሑ ነበሩ ፍትሔኛ።
 
እዚ ሰኣልይ፡ ዓርከይ ክነግረሉ
ዘይ ጓዳእ ነይሩ፡  ፍሽኽታ ኣመሉ
እንተ በርቲዕዎ፡ ድንን ኢሉ
ጽፍሩ እናቐርጠመ ይሓስበሉ
ንኹሉ ዝዕዘቦ ኣቃሊሉ።
 
ክዝክሮዶ! ኣብ ርያድ ከለና
ብዙሕ ስሒቕና ብዙሕ’ውን ዘሊልና
ንሳባ ክትምርዖ! ሓቢርና ዘቲና
ኣሮንውን ክውለድ ኣብ ስርሕና
ጥዑም ዘበን ነበረ ኣብ ስደትና
ዳግማይ ስደት ፋሕ ኣእተወልና
ንነብር  ርሒቕና፡ ተመዓዳዲና
ኣብ መንገዲ፡ መርድእካ ሰሚዕና
ዘሊልካ ዘይምጻእ፡ ስለ ዝረሓቕና።
 
ኣምላኽ ሓሲብዎ ምስ ሳባ ነበርካ
ጓል ወዘራዝር ዘውዲ፡እያ ኣብ ኢድካ
ደኸመኒ! ከይበለት ብዙሕ ጸይራትካ
ተረካቢ ኣይኮነን፡ ኣብ ጸሓይ ዕርበትካ
ኣደ ሓርስ ነብሪ፡ ጠርናፊት፡ ናይ ቤትካ
ንኹሉ ኣርኪብካሉ፡ ዘጣዕስ ነይብልካ
ኩሉ ርኢኻዮ ኣብ መርየት ከለኻ።
 
ኣንታ ዕባይ ቲቦ፡ ዕባይ መንደፈራ
ትዘልል ነበርካ፡ ከም ኢራብ፡ ከም ዛግራ
መጻወድያ! ሒዙካ ዘይሰድድ፡ መፈንጠራ
ማሕለኻ ረኺብካ፡ ዘሊልካ፡ ዘይትሰግራ
ነዛ ዓባይ እምባ ፡ ከመይገርካ ክትሓኹራ
ከረውረው እናበላካ ናብታ! ጉድጓድ ስፍራ።
 
በልኪድ ዓርከይን፡ ሓወይን ዘበንካ ኣኺሉ
ስድራ ቤት ዝኾንኩም ጽንዓት ተቐበሉ
ንጽቡቑ፡ እናዘከርኩም፡ ዓልሉ
ከነርክቦ ኢና ኣብ እንጽዋዓሉ
ኣምላክ ይቀበሉ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ
ብርሃን ጸሓይ፡ ኢኻ ፍሽኽታ ዝኣመሉ
ንሰናበቶ ብሓበራ፡ ኣብ ሰላም ክህሉ
ክርስቶስ ይቀበሎ መላእኽቲ ኣኸቲሉ።
 
ዝፈትወካን ዘኽብረካን ዓርክኻ!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 29 ሓምለ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea August 28, 2016

    Excellent poem, keep up the good work.

POST A COMMENT