Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ዘይትርብርብ ኣደ – ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኤርትራ ዘይትርብርብ ኣደ 07/30/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)     እዚ ኹሉ መሪሽኪ ንሰላሳ ዓመት ሕጂ’ውን ኣይከደን ኣይሃፈፈን ጥልመት ተሰካሚት ጋዶ ጽዕነት ዘይኸብዳ ኩሉሳዕ ማራቶን መገሻ ልማዳ   ወዲ እንተወለድኪ ቃልሲ ትምህርዮ ጽባሕ ዝመጸኪ ስለ ትፈልጥዮ ጓል እንተደገምኪ ጅግና ዘይትሕመ ኣለኹልኩም ትብል ወያ ህጻን ጋመ   ኤርትራ ሃገረይ ኣንቲ ፈራይት ላም ስለምንታይ ግና

ኤርትራ

ዘይትርብርብ ኣደ

07/30/2016

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

 

እዚ ኹሉ መሪሽኪ ንሰላሳ ዓመት

ሕጂ’ውን ኣይከደን ኣይሃፈፈን ጥልመት

ተሰካሚት ጋዶ ጽዕነት ዘይኸብዳ

ኩሉሳዕ ማራቶን መገሻ ልማዳ

 

ወዲ እንተወለድኪ ቃልሲ ትምህርዮ

ጽባሕ ዝመጸኪ ስለ ትፈልጥዮ

ጓል እንተደገምኪ ጅግና ዘይትሕመ

ኣለኹልኩም ትብል ወያ ህጻን ጋመ

 

ኤርትራ ሃገረይ ኣንቲ ፈራይት ላም

ስለምንታይ ግና ትሕውሲ ጠላም?

ኣብቲ ጻዕዳ እኽሊ ኣብቲ ስገም ስርናይ

ለካ ስዓዕ ኣሎ ናይ ወድ-ሰብ ጻህያይ

 

ኣብ ግራት ዋላኻ ምስቲ ብሱል እኽሊ

ኳዂቶ ጸኒሑ እሾዂ ዘየድሊ

ናይቶም ቀዳሞትሲ ዝዀነ ምዀነ

እዞም ናይ ለንቅነ ገሪሙኒ ኣነ

 

ሰውራዊ ቀላጽም ንዓለም ዘእመነ

ክድፈር ጀመሩ በናብር ክሽነ

ታሪኽ ዝመነዎም ቀደም ዝተሳዕሩ

ኣናብስ ክመስሉ ሓደስቲ ወኻሩ

 

ታሪኽ ጅግና ሸይጦም ክረኽቡ መዳልያ

ጻሕሊ ዘይብሎምሲ ስሉም መዀምብያ

ህግደፍሲ እንሆለ ናይ ሎሚ ክናና

እንተ ሕሽዎምሲ ይኹኑ ምናና

 

ተሃራፊት ምርዓት ከም ፋኑስ ትውላዕ

ፍሩታ ናይ መስኖ ቅንጢብካ ትብላዕ

ነዊሕ ኣታሊሎም ብዓል መሶሊኒ

እምብለይ ኢልኪዮም ደቀይ ይሕሹኒ

 

ባሕሪ ተሳጊሩ ጥልያን እንተመጸ

ኣይፋለይን ትብሊ መርዓ ይኹን ሕጸ

እንግሊዝ ይምርሽ ወሲኹ ሽጣራ

ቀቢጹ ይምለስ ናብታ ዝነበራ

 

ጃንሆይ ይፍትን ኣምሪሑ ጠበቓ

ተቐቢሩ ‘ተርፍ ኣብታ ዝወደቓ

ሓጺን ተኣንጒቱ ደርጊ ’ንተጨደረ

እግረይ ኣውጽእኒ ዕርብ ንሃራረ

 

ሕጂ’ውን ኣይጠፍአን ትሕዝቶኡ ኣሉ

ናይ ትማሊ ስኽራን ሕዳር ዘይወጸሉ

ኣሰር ኣቦታቱ ታሪኽ ዘይምሃሮ

ጓይላ መሲሉዎ ዝሃርም ኰቦሮ

 

ሓደ ኢና ’ብሉና ብህርፋን ሰኺሮም

ሰውራ ተኻሒዱ  የዒንቶም ዓዊሮም

ፈውሲ ዝሰኣነ ኩሉ ዝዓበደ

ጸወታ ህጻናት ጭርጭር ዐበደ

 

ቀቢጸ ተስፋዊ ቃልሲ ዝኸበዶ

ናይ ከድዓት ውሕጅ ተሰኪሙ ’ወስዶ

ኤርትራ ደቅኺ ተኸደንቲ ፈርጊ

ተደለዩ ቅልጽም ተደለዩ ዘንጊ

 

ኣብ ዘይገበልኦም ክድቅሱ ‘ብ ማእሲ

መጻወቲ ኰይኑ ወዮ ደሞክራሲ

ወይልኹም በልዮም ብዓል ዕደ ምደ

ኤርትራ ሃገረይ ዘይትርብርብ ኣደ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT