Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

dehaiEritreaክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡

mesfin_hagosቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 

አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል
ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ?

ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ ውሳነ ዶብ ብምትእስሳር ማለት ኢዩ’ምበር፡ ደረት ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣይኮነን። ኮሚሽን ዶብ ብይኑ ሂቡ። ኣብ ባይታ ከይተመልከተ እነሆ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመቱ ቀሪቡ። ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኣብ ባይታ ብምሕንጻጽ ተተግቢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሕሓብ ዶብ ኣብቂዑ ምዀነ ነይሩ። ምስሕሓብ እንተ ኣብቂዑ፡ ዓቃብ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክሳብ ዘይተሓንጸጸ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን። በቲ ካልእ መዳይ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ብድሌት ኣኣንጋዲ ሃገር ኢዩ ሰፊሩ። ኣኣንጋዲ ሃገር ኣይደለዮን፡ ይወጽእ። ብምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኽተል ሳዕቤን እንተ ሃልዩ፡ ናይቲ ሃገር ሓላፍነት ይኸውን።