ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን ዘሎን 20ዓመታት ናይ ዉርደትን መከራን መዋእል ንምዝካር፡ ከምኡ እዉን ኣቓልቦ ሕዝብን መንግስትን ሽወደንን ብኡ ኣቢልካ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይዱ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ነርወይ ናይቲ ንኤርትራ ናብ ገፋሕ ቤትማእሰርቲ ዝቐየረን ኣብ ዓለም ካብቶም ዝኸፍኡ ብምግሃስ ሰብኣዉን ደሞክራሲያዉን መሰላት ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ደጋፊ ዝኾነ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ YPFDJ ኣብ ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወሰዶ 400,000 ነርወይ ክሮነር ንምምላሱን ብሕጊ ዝሕተትሉ መንገድን ኣብ ምስልሳል ይነጥፉ ከምዘሎዉ ኣፍሊጦም፡፡
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ኣብ ቀረባ ማዓልታት ዓመታዊ ጉባኤ ብምግባር መሳርሒ ዉልቀመላኺ ኢሰይያስ ዝኾነ ኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ ዝተወደበ ንመንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያንን ትካላት ነርወይ ብምድንጋርን ምትላልን ዝተረኽበ ገንዘብ ምዃኑ ኣገልግሎት ቴሊቪዥን ነርወይ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ፡፡
ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 17000 በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዕሊ 400 ኤርትራዊ ትንፋስ ዘህለቐ ትራጀዲ ዝተሰምዖም
ስርዓት ህግደፍ ሓድሽ ውደባ ስለያ ወጻኢ ከካይድ ጀሚሩ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ደጊሞም ግምርግጋጽ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።
ሓለፍቲ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ሓለፍቲ ጨናፍር፡ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ፡ ከምኡ ‘ውን ‘ዓበይቲ ጸሓፍቲ’ ተባሂሎም ዝእመነሎም ኣባላት ዝርከቡዎም ካድረታት ህግደፍ ውሽጣዊ ተቓውሞ ንምዅላፍ ክግበር ዝኽእል ጽገናታት ንምዝታይ ካብ 28 መጋቢት ኣትሒዞም ኣብ ደንጎሎ ተኣኪቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብተቓውሞ ህዝብን ሰራዊትን ተሓኒቑ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ፡ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢሳይያስ ዝኾነ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቐዛፊ ንምርዳእ፡ ናብ ትሪቡሊ ሰራዊት ከምዝለኣኸ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
በዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ደገፍ ሰራዊት እተን ሃገራት ንተቓውሞ ህዝብን ዝረዓደ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብወዛ (ተኽሊጥ) ክገብር ከምዝወጠነ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ኣልማማ ግፋ ዘካይድ ዘሎ፡ ካብ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ከተማ ዝኣተዉ ይኹኑ ካልኦት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተጸምበሩ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ብብዝሒ እንተጸኒሖም ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝሎ ናዕቢ ከበግሱ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ምዃኑ የረድኡ።
እቲ ኣይ ካብ ባይቶ ኣይ ካብ ጋዜጣ ኣይ ካብ ህዝቢ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ከከም ኣተሳስኡ ባህ ዝበሎ ዝገብር ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ባዕሉ ተሓሲሙዎ ዝጸንሐ ውክልና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕባል ከም ወኪሉ ከገልግሎ ንግርማ ኣስመሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኹዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንገለ እዋናት ኣዋዲቑዎ ዝጸንሐ 50 ሽሕ ናቕፋ ‘መቕጻዕቲ’ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምለጡ ዜጋታት ብምቕጻል፡ ንወለዲ የሸገርን ይኣስርን ከምዘሎ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።