Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Girmaእቲ ኣይ ካብ ባይቶ ኣይ ካብ ጋዜጣ ኣይ ካብ ህዝቢ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ከከም ኣተሳስኡ ባህ ዝበሎ ዝገብር ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ባዕሉ ተሓሲሙዎ ዝጸንሐ ውክልና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕባል ከም ወኪሉ ከገልግሎ ንግርማ ኣስመሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኹዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

Ertirea USክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

Puntlandኣመሪካ ኣንጻር’ቲ “ናይ ኤርትራ ናይ ውክልና ኢድ ኣለዎ” ኢሎም መራሕቲ ፑንትላንድ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ናይ ፑንትላንድ ኩነታት ስጉምቲ ክትወስድ ትሸባሸብ ከምዘላ ጂስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።