ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ትማሊ ክልተ ንግዚኡ ስሞም ክንዕቅቦ ዝመረጽና ኣሕዋት ካብ እስራኤል ደዊሎም እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ሂቦምና።
በቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ሞቱን ህይወቱን ምስ ፕረዚደንት ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዘተኣሳሰረ ገበነኛ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ብህዝባዊ ማዕበል ህዝቢ ሊብያ ዝግረፍ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ንምድሓን 200 ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዃን ኣብ ሳሕል ዝተዓለሙ ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ሊብያ ሰዲዱ ‘ሎ።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ።
ስርዓት ህግደፍ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ፡ ነብሱ ንምድሓን ኣብ ሸበድበድ ኣትዩ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክባትን ዘተን ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ይንገር።
ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ገለ ካብ ኣባላት ማሕበረ ኮም ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ከምዝሕብርዎ፡ ሰለሙን ብህጹጽ ዝተጸውዓሉ ሓደ ካብ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ናይ ዞባ-ሎምባርዲያ ሓላፊ ዝነበረ ኢጣልያዊ ዜጋ ጂያን ፒየር ፕሮስፐሪኒ፡ ኣብ ጥልያን ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ተግባር ምጥፍፋእ/ Corruption/ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ናይ ኤርትራ ጉዳያትን ካልእ ምኽንያትን ተኸሲሱ ምስተኣስረ፡ ጉዳይ ኤርትራ ሚስ ፕሮስፐሪኒ ዝነበረ ምትእስሳርን ዘይሕጋዊ ተግባራትን መታን ከይቓላዕ፡ ኩሉ ሚስጥራት መታን ክሽፈን፡ ሰለሙን ክንፈ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ብህጹጽ ተጸዊዑ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ስርሑ ብጉቡእ ከየረከበ ብተብተብ ኣስመራ ከምዝኣተወ ገለ ኣባላት ማሕበረ-ኮም ሚላኖ ኣረጋጊጾምዎ ኣለዉ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።



ኣብዚ ሰሙን ‘ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ሕሱም ጥምየት ምኽኣል ስኢኖም ካብ ዓዲ ናብ ኣስመራ ኣትዮም ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ ክርስትያናትን ጎደናታትን ዝልምኑ ዝነበሩ መሳኪን ግዳያት ጥምየት፡ ኡይ እናበሉ ንጉሆ ንጉሆ ገፊፉ ምስ ደቆም ናብ ጋሽባርካ ከግዕም ቀንዩ።
ትማሊ ሓደ ካብቶም “እስዝ ሓሶት እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” እናበልና ንብዓትን ቀለምን ሓዊስና እንጽሕፎም ዜናታት ካብ ምንጭታት በጺሑና። “ፍስሃ ወልደዳዊት ብትእዛዝ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተቐቲሉ” ዝብል ዜና።

ስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
