ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።
ዝኸበርኩም መንእሰያት ኣሓትን እሕዋትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ማሕበራውን ውልቃውን ሂወት ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ነቲ ባሕርያዊ ጉዕዞ ሂወት ዝሃበና ባሕርያዊ ሕጊ ማለት ወዲ ሰብ ተውሊዱ ክዓቢ ክኣርግ ክመውት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና ከም ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን።
ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት[ ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ።
ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
እቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።
ሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።
ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብኣንክሮ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ። ዝተፈላለየ መንስኤ ዘለዎ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት። ኣብ ጉዕዞ ፍልሰት ስደቶም ክገጥሞም ዝጸንሔ ሽግር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት።
ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እምቢ ንምልኪ ዝብሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይዕንብቡ ኣለዉ ።
ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(ቤይ ኤርያ) ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራውን ከም ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ ውልቀ ምልክን ስርዓተ ኣልቦነትን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ኪኖ ሓጹር ንምድርባይን፡ ኣምሳይኡ ድማ ፍትሕን ደሞክራስን ሰላምን ዝሰፈኖ ስርዓት
መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።
30/11/2010 ብዙሕ ሰብ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክርኢ እንከሎ ኤርትራን ምድረበዳ ሲናይን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል።
ብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።
ሎም ምሸት: እቲ ብ 24 ግንቦት 1991 ዝተረኽበ መሬታዊ ነጻነት ሃገርና ኤርትራ እንዝክረሉ ዕለት እዩ:: ነቲ ዕለት ቲ ክዉን ንምግባር: ዝተኸፍለ ዋጋ ክቡር’ዩ :: ንዑዑ ንምርካብ አእላፋት ብሉጻት ደቅ ህዝቢ ብመን-ሕራይ ካብ ቤቶም ናብ በረኻ ውጺኦም: ከርተት ኢሎም እዮም::
አብ ሓርነታዊ ቃልስና መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብጻብዕቲ እዮም ዝቁጸሩ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይራሓቕናን፣ ሎሚ ግን መድረኹ ግዲ ኣኺሉ ኮይኑ መንእሰያት ክብገሱ ካበየ ኩርናዓት ዓለምና ንምልከት ኣሎና፣ ስለ ዝኾነ ከአ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከምቲ ካሎኦት ዓለምና ዘርኢዎ ዘለዉ ንጥፈታት ተበጊሶም ከም ዘለዉ ክንሕብር ንፈቱ፣
ትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።
መጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘካይዶ ፕሮፖጋንዳውን ሃሱሳውን ስርሓት መጋበርያ ንክኾኖ YPFDJ ብዝብል መጸውዒ ኣብ ወጻኢ ዝፈጠሮ ናይ መንእሰያት ውዳበ ስለዘይተዓወተሉ፡ እቲ ቀንዲ መልማሊኡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪ ከይተረፈ ናይ ቅብጸት ምልክታት የርኢ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።
ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ 