ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡ’ውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።
ክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጌግኡ ተኣሚኑ፡ ሓቅነትና ተረጋጊጹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጌጋ ይግምግሞ ‘ሎ ክብል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።



ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ 
ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ንደሞክራስያዊ ሰልፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2008 ቀዳማይ ጸሊም-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጽ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ
መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal) ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal ) ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ
ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።