ድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።
ድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።
ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።
ብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ።
ኣቐዲመ ብስም ‘ቲ ኹሉ ዝኽእል እዚኣቢሄር ኣምላኽ ሰላምታ ከቕርበልኩም ፍቐዱልይ። መስቀልኩም ክሳለም ዝፈቅድ ግን ኣይኮንኩን። ከምኡ ብምባለይ ምናልባት ጸረ-መስቀል ከምዝኾንኩ ክመስለኩም ይኽእል እዩ። ኣነ ግን ኣብ መሰረት መስቀል ጸኒዐ ዝዓበኹ ኦርቶዶክሳዊ እየ። ሕጂ ‘ውን ኣብዚ እምነት’ዚ ጸኒዐ እርከብ ኣለኹ።
ዝኸበርካ ሰመረ ኣነን ንስኻን ድሕሪ’ቲ ከምስጋ ጎዛዚኹም ኣጥፍኡለይ ኢልካ ነቶ ጸላእተይ ትብሎም ዘለኻ ሕጂ ናይሽዑ ግን ጎይተትካን መሻርክትኻን ሃገራዊ ድሕነት ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይፈልጦ ቤት ማሕቡስ ደርጊምካኒ ካብትኸይድ ንመጀመርታ ግዜ ብመርበብ ሓበሬታ ሎሚ ንራኸብ ኣለና::
ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ፈነወ ራድዮ ተቓወምቲ ከይሰምዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ካሕሳይ ገብሪሂወት ንህዝቢ ናይቲ ዞባ ኣኪቡ ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝፍኖ ፈነወ ራድዮ ይኹን ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ከይሰማዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዒላበርዒድ ዝርከቡ ሰበስልጣን ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቦም።
ሰናይት ሃብተማርያም ዘርኡ ዝተባህለት ካብ ሃገረ ሱዳን ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ ኔዘርላንድስ ዝኣተወት ኤርትራዊት ዜጋ፡ ብሕጋዊ በዓል ቤታ ካብ ኔዘርላንድስ ናብ ኤርትራ ንምብራር ንዝተኻየደ ፈተነ፡ ሕጋዊ መሳልል ተጠቒሙ ደው ከምዘበሎ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ፡ ኤርትራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን /ERDC/ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሓቢሩ።
ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ብሓልዮት ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ሲያትልን ከባቢኣን ስራሓ ካብ ሓሙሽተ ጥቅምቲ 2008 ዓ. ም. ጀሚራ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ዝዝከር ኢዩ።
ብመጀመርያ ካብቲ ስጋ ሰብ ለበስ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ብሰላም እንቓዕ ወጻእካ ክብለካ ይፈቱ ብምቕጻል አቲ ኣራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ብጭብጥታት ኣሰኒኻ ብምቕላዕካ ምስጋና ይግብኣካ:: እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ነገር አዩ:: ኮይኑ ድማ እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም መንግስታት ይኹኑ ውልቀሰባት ሎሚ ውሃ ዘበለ ብዓይነቱ ብዓይነት ኣባላቱን ቤት ትምህርትታት ክሰርሑ ድቓስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ ኣብ ኤርትራ ድማ ውሃ ዘበለ ኣብያተ ማእሰርትታት ክሰርሑ ከይደቐስካ ምሕዳር እዩ:: እቲ ኢሰብኣዊን ጨካን ኣተሓሕዛን ድማ ብኡ መጠን ይዛይድ ግና ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተሓታትነት ከምዘይሃድሙን ፍረ ዕብዳኖም ድማ ክሓቕፉ ምዃኖም ጊዘ ባዕሉ ከርእየና እዩ::
ብኣቶ ኣብርሃ ሃብተማርያም (ካብ ለንደን) ንሓታቲ ዝተዋህበ መልሲ (ካልኣይ ክፋልን መቐጸልታን)
ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ልዑል ፈይሰል ቢን ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልስዑድ ኣቦ-መንበር ማሕበር ቀይሕ ወርሒ (ሂላል ኣሕመር) ትማሊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኣምባሳደር ኤርትራ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወድዓዊ ኩነታትን ናይ ነዊሕ እዋን ዝናብ ብዘይምዝናቡ ንደቅሰባት ብዝያዳ ግላዊ ጸገም ከምዘምጽእ እዩ ክብል ኣምባሳደር ብሽም ህዝቢ ለመንኡ ድሕሪ ምቕራብ ንልዑል ፈይሰል ንኤርትራ ንክዘውር ከምዝዓደሞ ተፈሊጡ። ”
ላም ሓዊ ወሊዳ ; ከይትልሕሶ ኣንደዳ ; ከይትገድፎ ወሊዳ
ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ብ25 ሕዳር ዘካይዶ ኣኼባ ክንሳተፍ እንተወሲና ርጡብ ሕቶ ንምሕታት ንዳሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ዘይትደልዩ ድማ ኣብቲ ንገብሮ ታቤላዊ ተቓውሞ ተጸንበሩና። 7 Croatia Street (Between Dufferin and Bloor – South of Bloor and North of Dufferin Mall) ሃየ ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ንስራሕ!
ኤርትራ ካብ ዓለም እታ ዝለዓለ ደረጃ ዝቕባበ (inflation) ዘለዋ ሃገር ምዃና IMF ከምዝኣመተ Taipei-Times ንሰነዳት ናይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ውድብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይጠቅስ።
ህግደፍ ነዝወለዖ ምፍሕፋሓት ሓለፍቲ ፡ ናብ ውጩ ምስ በጸሐ፡ ብናይ ጥዕና ምኽንያት፡ ሸለል ኪብሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
13 ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ ቢ (Track B ) ኣምሊጦም ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣፍሊጣ።
ተዶጊሉ ዝጸንሐ ምፍሕፋሓት ህግደፍ ፡ ብስም ሞት ፍቱው መንእሰይ ፍቕረ ተሳቢቡ ኣብ ጥርዚ በጺሑ
ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓዲሙ፡ ካብ 6 ክሳብ 7 መስከረም ኣብ መንጎ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሕጂ ግን ኦረማይ! ዝተዓሸናዮ ይኣኽለና። ኤምባሲኹም፣ ህግደፍኩም፣ ፈሲቲቫልኩም ንዓኹም ግበርዎ። ጌጋታትና ክንእርም ኢና። እቲ ፍቕሪ ሃገርና ጌና ምሳና ኣሎ፣ ሕጂውን ኣብቲ ዘምዕረልና ሲቪካዊ ማሕበራት ዲዩ፣ ካልእ ምንቅስቓሳት፣ ኣብዛ ከቢድ መስዋእትን ተጋድሎ ዝተኸፈለላ ሃገርና ኤርትራ፣ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካልን ዴሞክራስን፣ ፍትሕን፣ ርትዕን፣ ሰላምን ንምምጻእ ዝከኣለና ንከነወፊ ምዃና ነረጋግጽ።
ዕድመ ኣሰና ንመመሓየሺ ርእይቶን ምኽርን ኣብ ‘ባነርን’ ተነባብነትን።/
Reader –feedback on banner and legibility
ኣባላት ኤምዲሰመውን ነቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ዓመጽን ጎነጽን ወጊድ ኢልኩም፣ ነዛ ካልኣይቲ፣ ምርጫ ክብረት፣ ርትዒ፣ ሰላም፣ ሃገራዊ ዕርቂ፣ ብልጽግና፣ ሕድሕዳዊ ምክብባር ብምምራጽ ትቃለሱ ብምህላውኩም፣ ህዝብኹም ተሓቢኑልኩም ከምዘሎ፣ ንሕና እዞም እንፈልጥን ኣብ መንጎኡ እንርከብ ውልቀ ሰባት ንምስክር ኣሎና። ኣጆኹም ኣጆና
ኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዶምክራሲ ኤርትራ መጠን ምስ መዘናታትካ ዝኾኑ ተቓለስቲ፣ ዝሓለፈ ምፍሕፋሓት ብምርሳዕ፣ እንዳተራዳድእኩም ንክትከዱ፣ ናትካ ተራ መተካእታ ከምዘይህልዎ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ዝኣምነሉ ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን።
ኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።
ሓበሬታ ንስነጠበበኛታት – ደረፍቲ፡ ሙዚቀኛታት። ገጠምቲ፡ ደረፍቲ… ካብ ኣሰና
ትማሊ ዕለት 18 ሓምለ 2007 ሓደ ጽሑፍ ብኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ ዝተባህለ ዝተጻሕፈ፣ ኤርትራ ህያብ ስዋኣትና ኢያ፣ ንምዕቃባን ንምሕያላን ንጽዓር፣ ንጽባሕ ንጠምት፣ ብዝብል ኣብ ድምጺ መሰልና ደሊና ሰሚዕና። ኣብ ትሕዝትኡ፣ ግልብጥሽ ብዝኾነ ኣዘራርባ፣ መንእሰይ ሃገርካ ሕድሪ ስዋኣትካ ገዲፍካ ትሃድም ኣሎኻዶ ካልእዶ ብምባል ብቃና ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ምስ ሰማዕኩ ተዳናጊረ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሓሙስ 12/07 ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም መጠነ ሰፊሕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።
ብቀዳምነት ከም ናይ ሓለፊ ናይ ነቭሳን ዕደና ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኮይንኩም ኣብ ቢሻ እተካይድዎ ዘሎኹም፣ ናይ ማዕድን ዳህሰሳ ስራሕ፣ እንቋዕ ኣብ ዓወት ኣብጻሕኩም ንብል። እቲ ዓወትኩም ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ብምዃኑ።