Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ሰናይት ሃብተማርያም ዘርኡ ዝተባህለት ካብ ሃገረ ሱዳን ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ናብ ኔዘርላንድስ ዝኣተወት ኤርትራዊት ዜጋ፡ ብሕጋዊ በዓል ቤታ ካብ ኔዘርላንድስ ናብ ኤርትራ ንምብራር ንዝተኻየደ ፈተነ፡ ሕጋዊ መሳልል ተጠቒሙ ደው ከምዘበሎ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ፡ ኤርትራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን /ERDC/ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሓቢሩ።