ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።
ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።
ሽማግለ ንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ መደብ ስርሑ ድሕሪ ምግምጋም ህዝባዊ ኣኼባ ንምጽዋዕ መደባቱ ሰሪኦዑ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።
ዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።
ህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡ ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።
ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።
ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።
ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ኣብ ስዊስ ብቀዳም ዕለት 18.09.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ጻብጻባ ንህዝቢ ኣቕሪባ። ካብ ስዊስ ሰለስተ ወከልቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ተሳቲፎም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመርሖ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቅድሚ ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ህጽር ዝበለ ጸብጻብ ምቕራበይ ገገለ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ክጠቕስ እፈቱ።
ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብዕለት 22 ግንቦት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡባዊ ካሊፎኒያ ዝመጹ ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰሚናር ተጌሩ ውዒሉ።
ብምኽንያት እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንወርሒ ሐምለ 2010 ዓ.ም. ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ
ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ? ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ? ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ ሓድነት ከም ሰለስተ ኣይቁጸርንዩ ፈላጥየ ዝብል ንዓይ ጥራይ ስምዑ ዘይተባህለ ዘንብብ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓኹም ኣናኢሱ ከምዘይትበቕዑ ጸላዕላዕ
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።
ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብዝነበሩ ሰባት፡ ስም ሰዲኤን ማእከላይ ባይቶን ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሰልፊን ወጻኢን፡ ኣንጻር ሰዲኤን ውሽጣዊ ሓድነቱን ዝቐንዐ፡ ጽዑቕ ጎስጓስን ዘመተን ይካየድ ምህላዉ ንኩሉ ዝከታተል ሰብ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ።
29.05.07