Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Waelaልኡኻት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ለንደን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ትማሊ 23 ግንቦት ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ሰፊሕን ክፉትን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ስቶክሆልም፡  ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን መቕደስ እናተኸታተሉ ኸለዉ፡  ናብቲ ቤተ-መቕደስ ብምእታው ንህዝቢ ፖለቲካዊ ስብከት ህግደፍ ከመሓላልፉ ዝፈተኑ ልኡኻት ህግደፍ፡ እቶም ቀሺ “ኣይትሃውኹና ግደፉና በጃኹም፡ እዚ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ጸሎት እዩ” ኢሎም ብምቅዋም ደው ከምዘበሉዎም ምንጭታት ካብ ስቶክሆልም ሓቢሮም።

ፋይናንሳዊ ማዕከን ህግደፍ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምስሳን፡ ኣጽዋር ንምሽማትን ናብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ንምስግጋርን፡ ከምኡውን እቲ ስርዓት ብኣትኵሮ ዝነጣጠፈሉ ውዲታዊ  ተልእኾታት ንምስልሳል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ተዋፊሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 19 ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ  ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።