አብዚ ለንቅነ አብ ከባቢናን ማእከላይ ምብራቕን ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል አብ መንጎ ምልካዊ ስርዓታትን በቶም ንዘመናት ብፖለቲካዊ ጸቒጢ መበገሲኡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተኽልኡ ነጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ አብ ገዛእ ሃገሮም ዝተሓርሙ፡ ብልሽውና፡ ስርዓተ ሕጊ አልቦነት፡ ሽቕለት አልቦነት፡ ማእሰርትን መግረፍትን ዘበገሶ ህዝባዊ ባርዕ ንለውጥን ዲሞክራስን ጥምጥም ይካየድ አሎ። ድሮ ድማ ህዝብታት ቱኒዝያን ምስርን ተዓዊቶምሉ አለው።
እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር
ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።
ምሓዙት ኣሰና ጨንፈር ዓዲ እነግሊዝ ኣሰና ሜድያ ፍውንዴሽን ንምሕጋዝ ቶሺባ ዝዓይነታ ላብቶብ ገዚኡ ክግበሮ ዝጸንሐ ሎቶሪ ንዕለት 30 ግነቦት 2010 ስዓት 6.00ድቀ ኣብ ከባቢ ሰቶክዌል ስቴሽን ክትወድቕ ወሲኑ ኣሎ. ኩሉኹም ትኬት ዝገዛእኩም ንመን በጽሓቶ ብዓል ዕድል ንምምስካር ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም.
ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበር ህዝብን ካልእ ንጥፈታትን ዝኣከቦ ገንዘብ ብእሙናት ተሓባበርቱ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ከምዘእተወ ምንጭታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።
ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ እገዳ ክዅንኑ ንምድፍፋእ ኣብ ዘካየዶ ናይ ‘ርድኡና’ ኣኼባ፡ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ናይ ጎይትኡ ኢሳይያስ መቓልሕ ካብ ምምላስ ሓሊፉ፡ ነቲ እገዳ ዝምክት ርትዓዊ ምላሽ ስለዘይረኸበ፡ “ንሶማልያ ኣጽዋር ከነቐብል እንተዄንና ብኢትዮጵያ ዝሓለፍ ንናይ ሎንደን ዝመሳሰል ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ ባቡር (ኣንደር ግራውንድ) ክህሉ ኣለዎ” ክብል ከምዘላገጸ ነቲ ኣኼባ ዝተኻታተሉዎ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም። 
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።