ብዙሓት ኤርትራውያን ዓደዳ ስደትን ስቅያትን ሞትን ግዳያት ካብ ዝኾኑ ሓያለ ዓመታት ተቖጺሮም እዮም።
ብዙሓት ኤርትራውያን ዓደዳ ስደትን ስቅያትን ሞትን ግዳያት ካብ ዝኾኑ ሓያለ ዓመታት ተቖጺሮም እዮም።
አብዚ እዋን እዚ ራዕድን ሽበራን ቅንጸላን ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣኑ ገይሩ ዝጥቀም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ኣብ ወጻኢ ወይጦታቱን ሃሱሳቱን እንዳኣዋፈረ መነባብሮ ህዝቢ ርፉታ ከሊኡ ይነብር ኣሎ።
አብ ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡
ማርሕበረኮም ኤርትራውያን አብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ አብ ክፍለ ግዝኣተ ካሊፎረንያ ትማሊ 03 ጥቅምቲ 2010 ናይ’ቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝኸፈቶ ሓዲሽ ኮማዊ ማእከል (ኮሚኒቲ ሰንተር ) ናይ ምምራቕ ስነ ስራዓት ብዓቢ ደምቀት አካይዱ።
ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡
ብሓልዮት ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ (ሽወደን) ኣብ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ፡ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዋዕላን ሰፊሕ ሓበሬታ ንዕዱማት ከምዝሃቡ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ::
ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ።
እቲ ብሲቭካዊ ማሕበር ኤርትራውያን ላስቬጋስ ዝተዳለወ ጽምብል መበል 19 ዓመት ዕለተ ነጻነት ሃገርና ብረቡዕ 26 ግንቦት 2010 አብ ኢታልያን አሜሪካን ክላብ ብዓቢ ድምቐት ተጸምቢሉ ሓዲሩ።
ብስሙራት ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፣ (Citizens United For Human Rights in Eritrea) ዝልለ ሲቪካዊ ማሕበርና ተመስሪቱ ምንቅስቓሱ ካብ ዝጅምር እንሆ ድሮ ካልአይ ዓመቱ አሕሊፉ።
ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
ብምኽንያት እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንወርሒ ሐምለ 2010 ዓ.ም. ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ
ንቐዳም ዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ህዝባዊ አኼባ ብአባላት ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንዘተ ህልው ኩነታት ሀገርና መሰረት ብምግባር አዳሊና ስለዘለና ኩሉ ኤርትራዊ/ት አብ ዝተባህለ ዕለትን ሰዓትን ምሳና ሐቢሩ ብጉዳይ ሀገሩ ክዝቲ ብኽብሪ ነዕድም አለና
ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።
ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።
አብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት 2009፡ኩነታት ሃገርና፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ክርአ እንከሎ፡ አብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ጸኒሑ አሎ። ቁጠባ ሃገርና ዓንዩ፡ህዝብና ንልማኖን ጥምየትን ዓጸቦን ተጋሊጹ፡ ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ከም ሳዓቤኑ’ውን ማሕበራዊ-ቅልውላው አኽቲሉ አሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ውድቀት ደረጃ በጺሕና አለና።
ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር
ብዕለት 19 መስከረም 2009 ዓ. ም.ብፖለቲካውያን ውድባት፤ሰልፍታት፤ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ዘጋታትን አበ ከተማ ስቱትጋርት ሃገር ጀርመን ዝተዳለወ ንተዘክሮ መበል 18 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኩሉ ግፍዕታት ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ጀርመንን መንግስት ጀርመንን ህዝቢ ዓለምን ንምግላጽ፤ ከምኡ’ውን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍላጥ ብዙሕ ህዝብና ካብ ከተማታት ፍራንክፎርት፤ ኑርምበርግ፤ ኡሉም፤ ካርልስሩሄ ከምኡ’ውን
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ ክኸውን አለዎ፡፡
ሐደ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ አብ ነፋሪት ምስተሰቕለ ብናይ ሐይሊ ጎነጽ ተቓውሞኡ ብምርአይ ናይ ነፋሪት ፓይሎት እዚ ሰብዚ አስጋኢ ስለዝኾነ አይብገስን ኢሉ ስለ ዝአበየ ካብ ነፋሪት ክወርድ ድሕሪ ምኽአሉ አብ ትሕቲ ፖሊስ ይርከብ አሎ፡
እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።