Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ! – ንማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ) አብ ጀርመን

ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ

ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ

ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ

ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣

ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ

ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ

ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር

ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር

ኵሉ ንሃገር ኢዩ ኢለ ብሓሶት ከይምሕል ከይጥሕል

ብዘይ ፈልጦ ነገር ከየ’ሽካዕልል

ወይ’ውን ሰኣን ኣፍልጦይ ከይዘልል ከይዕልል፣

እወ’ወ ዓድልኒ ድአ ሰፊሕ ልቢ

ተምበርኪኹ ዝጽሊ ንዓስቢ።

ቃልሲ ንመሰል ደቀንስትዮ አብ ኤርትራ፣

ንርአዮስከ፡ ካብ መብጽዓአን ገለ እንታይ ተግበራ?

ንመግዛእቲ ድዩ ተበጊሱ ኤርትራዊ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር

ንመሰል፡ ንማዕርነት፡ ንዕብየት ጓለንስተይቲ እምበር፣

ሩስያውያን ክምስሉ ይብሉ፡

ምምሃር ንወድተባዕታይ

ንበይኑ’ዩ ዝስከማ ከም ወልቀ ሰብኣይ

ንጓለ’ንስተይቲ ምምሃር ግና

መጀመርታ ንዓአ ዳሕራይ ነታ ስድራ

ከምአይላ እንዳቀጸለት ንምሉእ ቤተሰባ

ነታ ሃገር ብምልአት ተወቅባ ተዐምብባ።

ክትውለድ ሒዛ ጓለንስተይቲ አብ ኤርትራ

ዕብድብድ ከይከውን ከይትወጽእ ካብ ባህላ

ብስርዓት’ያ ትመሃር ኣለዓዕላ ስድራ።

ንምሉእ ዕድሜአ ሂወታ ብስነ-ስርዓት ክትአሊ

ህድእ ኢላ ክትዛረብ ቀስ ኢላ ክትመሚ

ብስነስርዓት’ዩ ዝዋሃባ መስርዕ ናይ ኣዋልድ

ከምኡ እንዳበለት ትምህርታ ተዋልድ፣

ትኸይድ፡ ትማሃር፡ ትግስግስ፡ ትምእርር

አብ ሻሙናይ ክፍሊ አቢላ ክትጥመት ትጅምር።

ይበሀል ከአ፡ ኣንታ’ዛ ጓል እከለስ’ምበር አኺላ፡ ሸው ኢላ፡ ጎቢዛ

እንተትረክብ ጽቡቕ ነይሩ ልኡማት ገዛ፣

ካብኡ ሕጸን መርዓን ይመጽእ ይስበር ዕድላ

አብ ክንዲ ትምዕብል ንድሕሪት የስፍራ

ቆልዑት ትወልድ ናይ ሰብኣይ ምልኽቲ ይገብራ

ነብሳ ከይትኽእል አብ ዕድመ ንእስነታ ተቘሪና።

ሓንጎላ ማዕረ እንከሎ ምስ ወድተባዕታይ

ተመሪሐ ትዛወር ከም ናኣሽቱ ኣብታይ።

ነዚ ወጽዓ’ዚ ዘስተብሃላ ኢየን ጀሚረንኦ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር

ንድሕረት አይኮነን ንመግዛእቲ ንምዕብለና እምበር።

ካብ ንእስነታ አትሒዛ ክትስስን ክትብርክት

አደልዲላ ክትረግጽ ንጥቕማ ክትሁርክት፣

ሓሳባ ክትውንን ክትከውን ከም ሰባ

ኣነ እንተበለ፡ ክትብል ኣነ’ውን እባ!

ንማዕረ ሥራሕ ክሽነን ብማዕረ

ፍልልይ አብ ደሞዝ ክኸውን ነበረ’ያ ነበረ

ጸቓጢ ባህሊ ብማዕርነት ክዕረ

አድልዎ ክጠፍእ ርእሲታት ክምዕረ።

ነዚ ዘማዕደወ  ማሕበር ነይሩና

ንይምሰል አይኮነን ሓሳባትን ጠለባትን ዘቕረብና

ሰራሕቲ ቅያታት ማዕጾ እንዶ’ሞ ረሲዕና።

ሃየ አርክባ እናተባሀልና ከም ሓጺን ክንስሓል

ዋዕሮ ክትፍክር ብድሆ ክበሃል

ባዕዲ ክፍርጥጥ ምስ ጦሩ ክድሃል

ዕጡቕ ሰብኣይ ብዃሌታኡ ክሰሃል።

አብ ዓዲ እንተተረፋ ሸቂለን ውላደን ዘዕብያ

ሜዳ እንተኸዳ ዓጢቐን ፈንጂ ዚቐብራ ቦምባ ዚድርብያ

ንስደት ከይደን ስድራ ዚናብያ

ንዓታትን፡ ቁምነገር ዝያዳ መሓዛአን እንድያ።

ብከምዚ ተቓሊሰን ሃገር ናጻ ዘውጽኣ

ንእስነተን ዝኸፊላ፡ ዝሰንከላ፡ ዝተሰውኣ

ድሕሪ ናጽነት ግና ፍጹም ዝተረስዓ

ይመሃራ ግዲ ሎምስ ፈልየን ክጭምታ መቃልስተን ክሪኣ።

ኣረጋውቲ ከዕብያ ብዕድመ ዝጎረፋ

ንውድባት ክጥውራ ድኽነት ዘትረፋ

ናጽነት ክዉን ገይረን ድሕሪ-ሰበን ዝተረፋ

ከም ዚኸፈልኦ አይኮነለንን አይረኸባን ካሕሳ

ክሐታ’ውን ጀመራ፣ ክብላ ከምዚ ድዩ ናጽነት

አብ ከርተት ንብርኔርካስ ናብ ዚገደደ ባርነት

ዚወለዳ፡ ዕሸላት ደቀን ድሮ ተመንጠላ

ብሕማቕ ምምሕዳር ክልተሻብ ተበደላ

ወየን ንሃገር ኤርትራ ዘልበሳአ ግርማ

በኸያ፡ ጓሃያ፡ ማህጸናተንን፡ ዓደንን ረገማ።

ንኵወይት ተሰዳ ንዓዲ ጥልያን

ዳግማይ ከርተት ዘይተረኽቦ ብያን።

ዳሕራይ አዳዕዲዕካ ውግእ ተጀመረ

ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ልቢ-ሰብ ዘሕረረ

ዳግማይ ክተቱ ተባህለ ብዘይ ኣፈላላይ

ውግእ-ዶብ ጀመረ ወጻኢ ካብ ድላይ

ሓንካስ ብምርኩስ ህዝበይ ብዓለማ

ውጽኢት ንውግእ ተለኻኺማ

አብ ስደት ዘሎ ህዝቢ’ውን ብስምዒት

አጆኹም በለ መንጠወ ኣሽሓት ዶላራት

ከምኡ እንዳበለ ተዋግአ ህዝቢ ኤርትራ

ፋይዳ ንዘይብሉ ውግእ ንሞት በብተራ

ጎስጓስ ተጀመረ ኩሉ ሓሶት

ጽልኢ ነገሠት አልቦ ደረት

ከምኡ እንዳበለት ዶላር፡ ኦይሮ፡ ፓውንድ ተአከበት

ዕላማ ህግደፍ ሰማዒ ረኸበት

በለ ህግደፍ እንቛዕ በጻሕና አብ ዕላማና

መንእሰይ እንተሃለቐ እንታይ ግዱ’ሎና

ህግደፍ ንዕላማ ስዉእ ረጊጹ፣ ሓሪኑ

በዓል ሓደ ውላድ ሓዲኡ ስኢኑ

በዓል ክልተ ውላድ ክልቲኡ ስኢኑ

በዓል 8’ውን ሾመንቲኡ ስኢኑ፤

ንሃገር ሓሊፎም ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ተኣሚኑ

ብኣፍልጦ ወላድ-ምኻን ኰይኑ

ብዘይ ውላድ ተሪፉ ንበይኑ።

ዝገደደ ሃንደበት መጸ ኩምራ መስዋእቲ

መዕረፍ ቆሌታቶም ንህግደፍ ኣጋንንቲ

ንሃዋርያ ጥፍኣት ናይ ሰላም ቆጸይቲ፤

ሬሳ አብ ልዕሊ ሬሳ ተኾሚሩ

መንዩ መን ምልላይ ተሳኢኑ

ግርማ-ሬሳ ጠፍአ ሬሳ ገጽ ስኢኑ።

ልሳና ተለኽተ ዝፈከረት መንከማና ኢላ

ዘጣቕዐት ዝወከኸት ዶላራት ዝኸፈለት ኵላ

ሓድሕዳ ተኻሰሰት ህዝቢ ’ጥፊኣ መሬታ ተመንጢላ፤

ሻቡ ተአኪብካ ወየ

ናይ ሕጂ ገደደ ተባህለ ተአውየ

ወላዲ ማይ ገዲፉ ደም በኸየ።

ኣደን ኣቦን ተረፉ ንበይኖም

ዘየለ ዝጥውሮም ዝሓርስ

ዘየለ ዝለአኾም ዝምርሽ

ዘየል ዝምርዖ ዝወርስ

በዚ ዝአክል ሓንጎሎም ተመዛቢሎም

ክላ ካብዝስ ሞት ይሓይሽ ኢሎም።

ዝተረፈ ወተሃደር ኮይኑ

ኣገልግሎት ገደብ-ግዜ ስኢኑ

መንእሰይ ሃገር አብ መደበር ተዳጕኑ፤

ዝመሃር የለ ዝሽቅል

ዝሓርስ የለ ድንኩል ዝፍንቅል

ዝነግድ የለ ሃብቲ ዘመቓቅል

እዚ’ዩ ሃገር ኰይኑ ዘሎ፣ ጕዳዩ ንዅሉ ዘሻቕል።

እዚታት መሪርዎ ንስደት ዘምርሐ

ብሶላኡ ጠፊእዎ ፈቐድኡ ተዘርግሐ

ቀለብ ዓሳ ዝዀነ አብ ምድረበዳ ተሳጥሐ

ታሕሳስ ሃገር ኢዩ’ዚ ኣፈርክቡ ኮታ

ደወል ሕላፍ ግዜ ነጋሪት ሰዓት ከውታ።

ሰብ ተቐይሩ ናብ ጭፍላቕ ታኒካ

ኣካሒዳ ኮይኑ ብፍላጥ ዓዊርካ

ርእሲ ምድሪ አሎኹ ምባል ከመይ የምሕረልካ

ሓቂ ተገቲሩ እናሀሎ አብ ቅድሜኻ

ተመራመር ደጊም ምዕማት ይአኽለካ፤

ነቲ ጸሊም ጻዕዳ እንዳበልካ

ነቲ ጥምየት ራህዋ’ዩ እንዳበልካ

ነቲ መሪር ስደት ጽጋብ’ዩ እንዳበልካ

ናብቲ ባሕሪ ምጥላቕ ከይተሰቆረካ

ብድንቊርናን በለጽን ሕልናኻ አዕዊርካ

የኽፍአለይ ዘይብሉ ወደኽደኽ ናይ ዩኒፎርም ዙርያ ተኸዲንካ።

ዘስደምም አሎ ናይዘን አብ ወጻኢ ዘለዋ ኣዴታት ኤርትራ

ደቀን ሓቝፈን ይወቕዓ ዳንኬራ

መስዋእቲ ኪኽፈል አለዎ ይብላ ንሃገር ዕሽራ

ንባዕልኻ አብ ዓዲ ዲሞክራሲ ተመዅሊካስ እዚ ኵሉ ዓዘራ

ደቅኻ ሓይብካስ ብንዳማትካ ፈኸራ።

ብሓቂ እንተዝነብር ፍቕሪ ሃገር

ደቕኻ ሰዲድካ’ዩ ዝትግበር

ባዕልኻ’ውን ትአተዎ እምበር ’ቲነገር፤

ብዝተረፈ ብድዐ’ዩ ብደቂሰብ ፈኸራ

ወርቅን ዙርያን ተኸዲንካ ጃህራ

በታ ካብ ምዕቡላት ሃገራት ዝለመንካያ ባጤራ፤

ብደም ስዉኣት ተቐሚጥካ አብ ዓዲ ደሞክራሲ

ክትምነ የብልካን ንካልኦት ባእሲ

ሞት-ጨካን ፍጹም ዘይተናሕሲ

ኣይርከባን ኢዩ ፍጹም ፈውሲ።

ሑጻ እትቚርጥማ ብዘይ ኩርምትኽን

አብ ዓዲ ዲሞክራስያ ሓቒፍክን ደቕኽን

ንኻልኦት ከይሐልፈሎም ትምሕጸና አሎኽን

ብጭካነ ዝዓወርክን እናርኣየ ዓይንኽን።

ሕደጋባ ማሕበር ደቀንስትዮ ህግደፍ ተመለሳ

ነዚ ኣረሜን መንግሥቲ አይትወድሳ

ዳሕራይ ተጣዒስካ አይርከብን’ዩ ካሕሳ

ሕደጋ ድአ ሕደጋ አይትዓሽዋ ብልቢ አይትንአሳ

ሞት አይተርፍን’ዩ ታሪኽ ዘይብልክን ከይትግምሰሳ

ከም እንስሳ ንህልዋንን ንስዉኣትን አይተከሻምሻ

መሰል እንዳርኤኽንአ ተጋሂሳ።

ከሎኻ’ዩ ዚስራሕ ታሪክ

ምስጠዓመካ’ዩ ዝውጻእ አብ በሪኽ

ግደፋ ድአ፣ ሃገር እንዳርኤኽንአ ተረሚሳ

ተማህሊልካ ዘይውጻእ’ዩ ጣዕሳ

አብ ሃገርና’ሲ ኣፍ ሰብ ተዓቢሳ

ንስኽንከ፣ አብ ዓዲ ዲሞክራሲ እንዳነበርክን ንድሕሪት ትምለሳ?

ብደቂሰብ ትጻወታ ደቅኽን ሓቝፍክን

ቊሩብ ዘይትጠዓሳ ሕልና ዘይብልክን

በላ ድአ ተመለሳ ሕጂስ ይአኽለክን

ካዕበቱ ከይትኸፍላ ፍዳኡ ከይከፍአክን

ሁር ከይንብለክን ዓዲ ስደት ከይተፍአክን

ጋህዲ ከይከውን አብ ደቕኽን ከይመጸክን።

ሕደጋባ ማሕበር ደቀንስዮ ህግደፍ ተዓገሳ

ንከማኽን  ወላዲት አይተራኽሳ

ህጻናት ቆልዑት እንዳጠፍኡ ብዘይ ናታቶም አበሳ

ንስኻትክን ናይ ዩኒፎርም ዙርያ ክትድበሳ

አይፋልክን ሕደጋ ድአ መልሳ

ዕላማ አይረጋገጽን’ዩ ብኽዳን ብዙርያ

ከይሓሰብክንን ከየስተውዓልክንን ይትረፍ ጕያ-ጕያ

ሕደጋ ድአ ብሃውሪ አይትጕየያ

ብዘይምስትውዓል አይትጕየያ

ደቂ ’ሕዋትከን አብ ሳሃራ እንዳጠፍኡስ ክትድበሳ ዙርያ

እዝስ ዕሽነት ድዩስ ዘይምስትውዓል

ንሓዋሩ ግዳ ከይትዀነክን ዓባይ-ሰዓል

እዚስ ዕሸልነት ድዩስ ናይ ሕልና ምጕዳል

ደቕኻ እንዳጠፍኡስ ዓወት አምሲልካ ምጭዳር

ኣየናይ ዓወት ተረኺቡ’ዩ እዚ ኵሉ ዳንኬራ

ዝወለድካዮም ቆልዑት እንዳጠፍኡ ፈቐዶ በረኻ-ሳሃራ

እዝስ እዝግዮ መድለዮ’ምበር እንታይኣምጽኦ ጭደራ፤

ብሓንቲ መዓልቲ እንዳጠፍኡ 80

ተሳእነክን’ዶ ልቦና ንሕልናኽን ከኒና

በላ ይአኽለክን ብምጾታት አይትታሐጎሳ

መንእሰያት እንዳጠፍኡ ዘይብሎም ኣበሳ

አሎና ማለትክን ድዩ እዚ ኵሉ ወደሳ!

ኣዴታት ጕህየን ኣእምሮ ዘምቢሉ

ሕልና አዕሪበን መድ ወሲኸናሉ

ካብ ምሉእ ስድራቤታ በይና ምስተረፈት ኣደ

መን ይአብዳ ነገሩ ከበደ፤

እወ፣ ይበሃል ይኸውን ንሃገር ተሰዊኦም

መቕሊ ዘይብሉ ሓሊፎም ብምልኦም

አመበይ ምአኸለንዶ እሞ ናይ ቅድሚ ሕጂ መስዋእቲ

ወፊሮም ዘይተመልሱ ከም ሓንቲ መዓልቲ

ተዘሪዖም ዚተረፉ ከም ከብቲ ናይ ሕዛእቲ።

ኵሉ ኤርትራዊ ተሰዊኡ ዘምጽአ ሃገርሲ ነሽካዕላል

ባንዴራ አብ ዙርያ ጠቂዕካ ወኻዕካዕ ዕላል

ጀጋኑ ተሰዊኦም እኮዮም አምጺኦማ’ታ ባንዴራ

ብኮበሮ አይመጸትን ብዙርያ ብጃህራ፤

ታሪኽ በዕጽምትን ደምን’ዩ ተነዲቑ

ወራዙት’የን ከፊፈንኦ ሊቃውንቲ በላሕቲ

ኣጕባዝዮም ውዒሎሞ ህጡራን ጎየይቲ

ጥንቁቓት’ዮም ሐሊፎሞ፡ ከፊሎም መስዋእቲ

ካብ ደቂቕ ንካልኢት ካብ ሰዓት ናብ መዓልቲ

ብኽብሪ’ዩ ተነዲቑ ብጥንቃቐ በብሓንቲ።

ምእንት’ዚ ክቡራተይ ደቂ ኤረይ ደቀ’ሥመራ

ክልተ ግዜ ሕሰባ አይተዳኽራ

በዓል እገለ አበይ ተሪፎም ኢልክን መርምራ

ምእንቲ መሰል’ዮም አትዮም አብ ናይ ህግደፍ መፈንጠራ

ስለዚ ንመሰል በልማማ ዘምራ

ክሱስ ዘይስማዕ ኢልክን ኮድራ

እሱር ዘይፍታሕ ኢልክን መድራ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ዝኽረ ንስውኣትና!

ኣለም መድኃኔ

ኮሎን/ ሃገር ጀርመን

11 ኅዳር 2009

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT