ብመምህር ተስፉ ዘውደ።
መልሲ ክህበሉ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ብሓፈሽኡ ንኣንበብትን ተዓዘብትን እገድፎ። ኣብቲ ወፍሪ ባርነት ዝብል ጽሑፍ ናይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝቐዳሕክዎ የለን። መሰል ደራሳይ (copy right) ንመላእ ትሕዝቶ ናይ ደራሲ ደጊመ እንተ ዝጽሕፎ ኣበሃህለኻ ልክዕ ክኸውን ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣነ ባርነት ናይ መስፍናዊ ኣገላልጻ ባርያን ጭዋን ዝብል ናይ ትውልዲ ልዑልን ትሑትን ኣምር ዝያዳ የስምዕ። ብኣጋላልጻና ጭዋ ኮይኑ ጊላነት ግን ናብ ምምዝማዝ ገጻ ዝያዳ ተዘንብል። ሕጂ ኣብ ናይ ቃላት ኣተራጉማ እንተዘይ ነድህብ ዝሓሸ ነይሩ ይመስለኒ።

Featuring DJ Ted and DJ Fino -Poet & Comedian Wedi Musie, Fre-Gaba & others
መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶና፡ ንዉላድና ዝኾነ ፊደል ኣማንኤል መንግስ፡፡ ወዲ ሽሞንተ ዓመት ሕጻን፡ ካባና ካብ ወለዱ ፈልዩ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ናባና ንከይመጽእ ከልኪልዎ ይርከብ።

ህሉው ኩነታትበን ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ከመይ ከምዝመስል እተንጸባርቕ ብዋዛ መልክዕ ዝቐረቡ መልእኽታት ዝሓዘት ‘ይኣክል!’ ዘርእስታ ብሙሴ ያቆብ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ተዘርጊሓ ኣብ ኢድ ኣንበብታ ኪትበጽሕ ምኻና ነበስረኩም።