Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaias20 ሰነ፡ ልቢ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ትትንክፍ፡ ምእንቲ ናጽነት ልኡላውነት ብድምር 84,000 ስውኣትና ንዝክረሉ ፍልይትን ክብርትን ዕለት ኢያ። ምኽንያቱ ሕልናና ኣእምሮና ብክልተ ዝተፈላለዩ ስምዒት ተዋሒጡ ስውኣት ንዝክር።

ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ሰፊራ ምልክት ልኡላውነታ ዝኾነ ሰንደቕ ዓላማኣ ካብተንበልብል  እነሆ መበል 19 ዓመት ልደታ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ግንቦት ኣኽቢራ። ናጽነት ሸቶ ናይቲ ንልዕሊ ፍርቒ ዘበን ዝወሰደ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቓልሲ ምዃኑ ነቲ ኣብ ምጭባጡ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ወናኒ እዚ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ መስካሪ ኣየድልዮን”ዩ።

ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ሰፊራ ምልክት ልኡላውነታ ዝኾነ ሰንደቕ ዓላማኣ ካብተንበልብል  እነሆ መበል 19 ዓመት ልደታ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ግንቦት ኣኽቢራ። ናጽነት ሸቶ ናይቲ ንልዕሊ ፍርቒ ዘበን ዝወሰደ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቓልሲ ምዃኑ ነቲ ኣብ ምጭባጡ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ወናኒ እዚ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ መስካሪ ኣየድልዮን”ዩ።

Sene

ፍሉያት ዜማታት ንኽብሪ መስዋእቲ ጀጋኑ ዘሞግሱን ሕድሮም አብ ሽቱኡ ንምብጻሕ ፍናን ዝህቡን ዘበራትዑን ደርፍታት ተሰሚዑ፡ አቦ መነብር ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ አብ ጀርመን አቶ ተስፉ ብወገኑ፡ ነዚ ሰፍ ዘይብል ሕድሪ፡ እጃምና ከነሐይል ተላቢዩ፡፡ ብድሕሪኡ ትርጉም መስዋእትን፡ ህሉዊ ተበግሶታት ንምትግባር ሕድሪ ጀጋኑ ብስፍሕ ዝብለ ካብ አባላትት ቀሪቡ።

ብመጀመርያ ኩሉኹም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም ኣጋይሽ ከምኡውን ኩልኻትኩም ኣባላት ማሕበረሰብ ፡ ነዛ ክብርትን ፍልይትን መዓልቲ ምሳና ሓቢርኩም ክትዝክሩዋ ምምጻእኩም ምስጋና ይኹንኩም።

ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ኤርትራዊ መንነት፡ኤርትራዊ ናጽነትን ልዕላዉነትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት  ብዝግመቱን ስዉኣት፡ ብሂወቶም ዘለዉ ዉፉያትን ብዝኸፈልዎ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ እተረጋግጸ ዓወት እዩ። መንነትናን ናጽነትናን በቲ ንረብሓ ኩላትና ዝምልከት እተፈጸመ ጅግንነታዊ ስርሓትን ዝናን ክኣ ይደምቕ፡ ይዓሙቕን ይንጻበረቕን። ነዚ መንነትን’ዚ ሂወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ-ስዉኣት ክንዝክር ከለና ድማ ንዝሓለፉን ንዘሎን ንዝመጽእን ወሎዶታት ዝጠምር ብምኻኑ መዓልቲ ስውኣት ብሓባር ክንዝክሮ ከለና ነቶም ዝሓለፉ ስዉኣትና እተቓለስሉ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ቃልናን ማሕላናን እነሐድሰሉን ሓልፍነት እንስክመሉን መዓልቲ እዩ።

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።