Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ኤርትራዊ መንነት፡ኤርትራዊ ናጽነትን ልዕላዉነትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት  ብዝግመቱን ስዉኣት፡ ብሂወቶም ዘለዉ ዉፉያትን ብዝኸፈልዎ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ እተረጋግጸ ዓወት እዩ። መንነትናን ናጽነትናን በቲ ንረብሓ ኩላትና ዝምልከት እተፈጸመ ጅግንነታዊ ስርሓትን ዝናን ክኣ ይደምቕ፡ ይዓሙቕን ይንጻበረቕን። ነዚ መንነትን’ዚ ሂወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ-ስዉኣት ክንዝክር ከለና ድማ ንዝሓለፉን ንዘሎን ንዝመጽእን ወሎዶታት ዝጠምር ብምኻኑ መዓልቲ ስውኣት ብሓባር ክንዝክሮ ከለና ነቶም ዝሓለፉ ስዉኣትና እተቓለስሉ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ቃልናን ማሕላናን እነሐድሰሉን ሓልፍነት እንስክመሉን መዓልቲ እዩ።