ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።
ኣብ ናይ
ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ድመቕ መጻኢ ብርሃን ሃገር ክኾኑ ዝተሓረዩ ፍሉይ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዝነበሮም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መንእሰያት ኢዩ። ተዋዛያይ ተጻዋታይ ዓውዓው በሃሊ ቂምታ ዘይሕዝ ነጻ ሰብ ኢዩ። ዝመስሎ ቅኑዕ ዝበሎ ካብ ምዝራብን ዝተራአዩ ይኸውንዩ ካብ ዝበሎ ምግባርን’ውን ድሕር ዝብል ሰብ ኣይነበረን።
ኩልና ከምንፈልጦ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትዓትር ዝኸኣለት[ ሳላ እቲ ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ደቃ እዩ።
ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።
ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።
እቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።
ሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።
ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብኣንክሮ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ። ዝተፈላለየ መንስኤ ዘለዎ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት። ኣብ ጉዕዞ ፍልሰት ስደቶም ክገጥሞም ዝጸንሔ ሽግር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ኣልማማ ግፋ ዘካይድ ዘሎ፡ ካብ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ከተማ ዝኣተዉ ይኹኑ ካልኦት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተጸምበሩ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ብብዝሒ እንተጸኒሖም ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝሎ ናዕቢ ከበግሱ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ምዃኑ የረድኡ።
በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እምቢ ንምልኪ ዝብሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይዕንብቡ ኣለዉ ።
ክቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ዓመት፤ ዓመት ለውጢ፤ ዓመት ጽንዓት፤ ዓመት ወኒ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ከባቢና ዝልዓለሉ ዘሎ ዓመት እዩ፤
ካብ ጀነራል ክሳብ ኮፕራል፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ኣብ ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ተዕወንውን ዘለኻ ጅግና ኤርትራዊ!
ትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡
ኣብዘን ዚሓለፋ 9 ዓመታት ኣንጻር ናይቲ ብህግደፍ ዝምወል “ኤርትራዊ ባህላዊ ምርኢት ኣብ ኣውስትራልያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፤ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክማሓላለፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፣
መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።