ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቑ ልዕሊ 330 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ንክብሮም ናይ ሽምዓ ምብራህን ካልእን ንቀዳም 30/04/2011 መደብ ኣዳልዮም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖትን ካልእ ካልኣዊ ውልቃዊ ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ ኣለኹም።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።
ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።
11 ሚያዝያ፡2011 ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት
ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡
መጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ
ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡ’ውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንርከብ ኣዓሩኽ ኣሰና፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዝነበረን ዘሎን ፋይናንሳዊ ጸገም ንምፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብኣንክሮ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ። ዝተፈላለየ መንስኤ ዘለዎ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት። ኣብ ጉዕዞ ፍልሰት ስደቶም ክገጥሞም ዝጸንሔ ሽግር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት።
ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ዓድና/ኤርትራ/ ክነግስን ክኸብርን ሓቢርኩም ምሳና ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ።
ንቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ብምኽንያት መበል 60 ዓመታት ኣዋጅ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ቆጺርና ኣሎና።
ነቲ ሓደ ግዱስን ተባዕን ኤርትራዊ ተጋዳላይ ‘ኣለና’ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም፡ “ ትልሚ፡ ንዘርኢ ክርዳድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተኸታታሊ ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ፡ ብዓረብን ብእንግሊዝኛን ተተርጕሙ ክቐርብ ብዙሓት ተኸታተልትና ርእይቶ የቕርቡልና ኣለዉ።
ክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ።
„መን ይንገር..? ዝዋዓለ። መን የርድእ..? ዝቐበረ።“ ከምዝብልዎ ስድራና፡ እንሆ ን-ሰንበት ዕለት 26. 09. 2010 ዓ.ም.ፈ.፡ እቶም ንኤርትራውያን ተቐማጦ Nordrhein Westfallen ወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ
እታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ፈተውታ ብዘበርከቱዎ ወለንታዊ ፋይናንሳዊ ወፈያ ናብ ኤርትራ ብሳተላይት እተመሓላልፎ መደባት ራድዮ ዝጀመረትን ዘሳለየትን ድምጺ ኣሰና፡ ንዝሓለፈ ሓያለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ መሓዙት ኣሰና ብዘካየዱዎ ዘይሕለል ጎስጓስን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ግዱሳት ብዝሃቡዎ ኣውንታዊ ምላሽን ከም ዝተጠወረት ብምምልካት፡ ናይ‘ዚ ወርሒ ‘ዚ ባጀታ ብተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ክሽፈን ዘለዋ ተስፋ እናገለጸት፡ ነታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን፡ ተቐማጦ ለንደንን መላእ ዓባይ ብሪጣንያን ኢደይ ኢድካ ክብሉ ተዘኻኽር።
እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶና፡ ንዉላድና ዝኾነ ፊደል ኣማንኤል መንግስ፡፡ ወዲ ሽሞንተ ዓመት ሕጻን፡ ካባና ካብ ወለዱ ፈልዩ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ናባና ንከይመጽእ ከልኪልዎ ይርከብ።
