ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።
ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።
ኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ይኣክል እወ በቃ! ደጊም ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ይገርም’ዩ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ከምዚ ቦታ ወይ ከተማ ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ሰሚዕካ ክንደይ ሰብ ከምዝተሳተፎ ንኽትዕዘብ ስእልታት ሰልፊ ክትርእይ ትህንደድ። እቲ ስእሊ ግና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ስለዘይጸንሓካ ኣዚኻ ትሓዝንን ትስከፍን።
ንዓ’ባ ንህዝብኻ ዝረ!!
ብጸላእተይ ተሳዒረ ዘይፈልጥ ሰብ እየ ኢልካ ትጅሃርን ተዘንቱ ትኸውን። ዝኣምነካ እውን ኣይሰኣንን። እንተኾነ ግና ኣካላትካ ዕድመ ደፊኡ፡ ከም ጸላኢኻ ከፈራርሰካ ምስ ተበገሰ፡ ክትስዕሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ቃልሲ ከምዝኣቶኻ ትፈልጥ።
ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ወርሒ ምድማቕ ኣብያ
መሬት ኤርትራ ጸልሚቱ፡
ጥዑይ ድዩ ምዉት
ንምፍላጡ ኣሸጊሩ።
ብዛዕባ ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ክትጽሕፈሉ፡ እንታይ ከ ክትዛረበሉ፡ ኩሉ ነገራቱ ከምዘይሓልፍ ተቐሊዑ እዩ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ። ኣይተጋገዩን። ብዛዕባኡ ዘጽሕፈኒ ዝያዳ፡ ብዝክኣለኒ ዓቕሚ ከቃልዖ ኢለ ዝፍትን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ግና፡ ጸላእየይ ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ንዕኡ ብዙሕ ኣይትውቀሶ ኣይትህረሞ ዝብል ርእይቶ እሰምዕ። ዝሃርሞ ዝወቕሶ ዝነቕፎ ከኣ፡ ክዕረ ኢለ ኣይኮንኩን። ፈሪሱ ክጒሓፍ ስለዝደልዮ እዩ።
መሪር ሓዘን ህልቂት
ልዕሊ 325 መንእሰያት ኤርትራውያን ደጊምና ንዘክር!
ሓዘን ኤርትራውያን መመሊሱ ይቕጽል ኣሎ። ጉዳም ዘመን! ኣብ ምድሪ ቤትን ቅርዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ርእሲ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ ኣሎ።
ኣንቱም መሳሰይቲ ከንቱ ኣይትድከሙ
ወዲኡ’ዩ ህግደፍ ከቢዱ ሕማሙ
ፋሲካ ክኸውን ክሰዓር’ዩ ጾሙ….
ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።
እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?
ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።
ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡
ድምጺ ሓፋሽ ነይሩ ስማ
ሓፋሽ ከተገልግል ከም ቀደማ
ብዓጽመ ደም ሓፋሽ እያ ቆይማ
ፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።
ኤርትራ ንኤርትራውያን
ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ንምግላጽ ክብል ኣብ 3ይ ክፋል ዘቕረብክዎ ጽሑፍ፡ ነቲ መንእሰይን ጎበዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሓይሊ መንእሰያት ከነኣእስ እንተድኣ ኾይነ ብቐሊሉ ክርታዕ ይኽእል።
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።
ጎደና ሓርነት ኣስመራ
ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ክካታተል እንከለኹ፡ ሓደ ካብቲ ዝገርመኒ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ ኩለን እዘን ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጻ ዓዲ ጭቁናት፡ ጎደና ሓርነት ዝሽሙ ጽርጊያ ከምዘለወን ምፍላጠይ’ዩ።
ከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ።
መንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።
ኩነታት እተን ማዕበል ህዝቢ ሓፍ ኮፍ ዘብለን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ክንርእዮን ክንሰምዖን እንከሎና፡ እዚ ዓመጽ እዚ ድኣ ሽም ሃገር ስለዝቐየረ እዩ እምበር፡ ዝያዳ ኣብ ሃገርና ጎሊሑ ዝርኣ ዘሎ እንድዩ ንብል።
መጀመርያ ሰላም ንህዝቢ ኤርትራን ንኣብ ደገ ኮይኖም ግዘይኦምን፤ ገንዘቦምን፤ ሓንገሎም ዘወፍዩ ዘለዉ ተባዓት ተቃለስቲ ኤርትራውያን ብስም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሰላምታይ ከቅርበሎም ይደሊ።
2011 ሕማቕ ወረ ሒዛ ኣይተበገሰትን። እሞ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ወርሓ፡ ንምልካዊ ስርዓታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ከተርዕዶም ክኢላ። ለንቅነ ኣብ ቱኒዝያ፡ ጽባሕ ድማ ኣብ ጎረባብታ።
ዳኒኤል ገብረኪዳን ናበይ ኣበለ ?
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ካብቲ ብዊኪሊክስ (Wikileaks) ዝለሓዀ ብ ኣምባሳደር ሮናልድ ከይ ሙክሙለን ካብ ኣስመራ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሰደዶ ዝተተርጎም’ዩ። ንትሕዝትኡ ኻኣ ሰናይ ንባብ፡ ተፈደሉ።
ኣብ ባህሊ ብሄረ ትግርኛ፣ እቶም ጨጓራት ዳናጉ ዓርኪ ሕልፎት ብድርብ ኮቦሮ ንሸውዓተ ጎረቤት ክንቕንቑ ምስ ሓደሩ፤ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ድኻም ይስምዖም ኢዩ።
መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣለና ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መንፈስ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም። ኣለና ኣብ ዱሮ ዕሰሌ ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!
ሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ።
ኣብ ቀርዳማይ ክፋል ጽሑፈይ: ንወዲ ትኹል ኣልዒለ ብዛዕባ ህላዌኡ: መርገጺኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎዎ ቀይሩ ንህዝቡ ክኽሕስ:ንዝሕረረ ልቢ ህዝቡ ክድብስን ንሰማእታትና ድማ ሞስኦም ክመልስ ዝብል ጽሒፈ ኔረ፣ሕጂ ድማ ካልኣይ ክፋል ናይ ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) የቅርበልኩም
ሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣
እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።
ኣለና፤ ንዝተቐብረን ዝተረስዐን ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።
እቲ ሕማም ኣብቲ ርእሲ ኢዩ ዘሎ። እቲ ላዕሊ ዘይጠዓየ፡ እቲ ታሕቲ ኪጥዒ ኣይክእልን። ሕዱር ሕማም’ዩ ዚመስል፡ ከተሕውዮ ድማ ጸገም ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨፍጫፊ ስታሊናዊ ሜላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንበይኑ ኣብ ውሻጠ ገዝኡ’ምበር ኣብ ጽርግያ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንክዛረብ ኣይተዓደለን።
ኣብ ሓደ ኣከባቢስ፡ ሓደ ብሕማም ደዌ ኣጻብዑ ዝሰኣነ መንእሰይ፡ ወለዱ ከመርዕዉዎ ስለ ዝነበሮም፡ ካብ ጎደቦ ዓዲ፡ ኩነታቱ ከይሓበሩ፡ ጎበዝ ወዲ ኣሎና’ሞ፡ ጓልኩም ሃቡና ኢሎም ይሓቱልኩም።
ኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።
ከመይ’ላ ከሪማ ሓትነይ ብሪ
ዘረብኣ መቀያየሚ መቃሓሓሪ
ቃላታ ናይ ሰብ ጓሶት ናይ ሰብ በትሪ
ኣካለ ስንኩላን ኣይትብል ሰብ እግሪ
ንዝተቓወማ ብጥይት ትኣሪ
ከም ዘየኽበርናያ ከም ልዑል ፈጣሪ
ሎሚካ ፈኾሰት ከም ታኒካ ባሕሪ።
ብ 1991 ጋማ ናጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም ዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።