Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

alenaከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ።

Alenaሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል መበል 15 ናይዚ ጽሑፍ፣ ንክፋል መበል 16 ብዓቢ ሃንቀውታ ክትጽበዩ ከም ዝጸናሕኩም ይስደደለይ ካብ ዝነበረ መልእኽቲታት ተገንዚበ።

alena“…ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ።

Alenaኣለና፤ ንዝተቐብረን ዝተረስዐን ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን Alenaምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።

Kidanህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡