Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

alenaመደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።

 

alenaሰላም ኣብ ዘዘለኹሞ ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ብፍላይ ድማ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፣ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀንስትዮና ናይ ቃልሲን ጽንዓትን ሰላምታ ይብጻሕክን።

“ኣነ ቲፋኖስ፣ ንሱ ድጉል መንካዕ”

 ኣለናበታ እንምነያን እንቃለሰላን ዘለና ኣዝያ ጥዕምቲ ቃል ክፍልም። ሰላም! ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ናትና ግብረ-መልሲ ዝጽበ ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ’ሞ ቆጽሊ ሰተሰምሃር ክንንስንስ፣ ክንሕበን ከም ቀደምና ክንተሓዋወስ…ቆፎና ክንመልእ መዓርና ክንብርብርን ለጋዕና ክንሓልብን ቀሪብና ኢና!

alenaኣለና ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መንፈስ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም። ኣለና ኣብ ዱሮ ዕሰሌ ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!

Alenaሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።

alenaብ 1991 ጋማ ናጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም Gobyeዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።

Alena 12ሕቡእ ታሪኽ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምጅማሩ’ምበር ኣብዚ ግዜ’ዚ ምውድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናዮም ዘለና ጉዳያቱ ከኣ ካብ ግምጃ እከይ ተግባራቱ ሓደ ዕሽር ጥራይ ኢዮም፣ ትሽዓተ ዕስሪት (9/10) ድማ ተሪፎሙና ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

 

isaiasስርናይ ዝተተለመት ጽግኢ፣ ስርናይ ኢያ እትፈሪ። ክርዳድ ዝተተለመት ቃድራ ድማ ከም ትልማ ክርዳድ። እነሆ’ምበኣር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 40 ዓመታት ብዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ ንሕና ኤርትራውያን ክርዳድ ፈሪና።

Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ።