Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

enoughይኣክል እወ በቃ! ደጊም ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ይገርም’ዩ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ከምዚ ቦታ ወይ ከተማ ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ሰሚዕካ ክንደይ ሰብ ከምዝተሳተፎ ንኽትዕዘብ ስእልታት ሰልፊ ክትርእይ ትህንደድ። እቲ ስእሊ ግና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ስለዘይጸንሓካ ኣዚኻ ትሓዝንን ትስከፍን።

Isaiasኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ፈታውየይ ስልኪ ደዊሉ ኣብታ ንህግደፍን ኮራኹሮምን ጥራሕ እተተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ብዛዕባይ ብሓደ <ዶክቶር> ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ዝተባህለ ግለ-ሰብ  ብቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ ከምዝጠቐሰኒ ምስ ሓበረኒ ነቲ ጽሑፉ ብጽሞና ኣምቢበዮ ናይ ብሓቂ ክኣ ገሪሙኒ፣፣