Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ!!

ህዝባዊ ማዕበል ዝዓግት ሓይሊ ከምዘየሎ፡ ኤርትራውያን ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ፡ ብከቢድ ክቡር ዋጋ ብሉጻት ዜጋታትና፡ ዝዓነወ ዝተራሰየ ሃብትና፡ ስደት ማሕበራዊ ምዝንባልና፡ በሰልኡ ገና ዘይሓወየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉዳትና፡ ድምር ኩሉ ኩቡር ዋጋ ከፊልና ናጽነት ኣረጋጊጽና።

ህዘቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሪር ተጋድሎኡ፡ ብርሃን ናጽነት ኣብ ኤርትራና ንክውላዕ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን፡ ነታ እንኮ ክብርቲ ሂወቶም ብጅግንነት ወፍዮማ ሓሊፎም።

20 seneኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ “ተዛኒናሉ ኣለና፡ ሸለል ተባሂሉ ኣሎ” ኢልካ ብስኽፍክፍታ ጥራይ ዝሕለፍ ‘ውን ኣይኮነን። ወጀሃላይነት’ዚ ሰጊርና ኣብ ጥልመት በጺሕና ኢና። ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ምሩጻት ደቁ ዝተቐበለ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንመስዋእቲ ሕድሮም ክጸውር ኣይክእልን እዩ።