ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ተዓቝቦም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ልዕሊ 17000 በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዕሊ 400 ኤርትራዊ ትንፋስ ዘህለቐ ትራጀዲ ዝተሰምዖም
ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።
ነጋሲ ሃብታይ ከምኡ ‘ውን ፓታዊ ገብረዝግኣቢሄር ዝተባህሉ ክልተ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ጨወይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምትሕብባሮም ተኸሲሶም፡ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ Haaretz ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ። 


ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።