ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።
ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።
ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡
ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ንዕለት12.03.2011 ክብዕል ምዃኑ ኣቀዲሙ ብዕለት 27 ጥሪ 2011 ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ሓፍትና ተጋዳሊት ንግስቲ መንግስቱ፡ በዓልቲ ቤቱ ንነፍሲሄር ተጋዳላይ ተኽልማርያም ግርማጽየን (ባሻይ) ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ቸይስ ፋርም ሆስፒታል ኣብ ለንደን ኪትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 49 ዓመታ ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 4፡10 ድሕሪ ቐትሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
እቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡ “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ” “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።
ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ 
…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። …..