There is a large Eritrean community in California´s Silicon Valley in Santa Clara County. Like many other nationality-based communities in the area, members tend to be of varying political or ideological persuasions which sometimes hinder the development of strong community associations.
“ቦንድ“ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማይሑጻን ዓዲኣቤቶን ሰንበልን ሓዝሓዝን ማይተመናይን ዝርከብ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ንከሰርሑ ዝተዋህበ መሬት፣ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዛዘመን፣ ሓዲግ መዲግ ስለዝተረፈን፡ ብመንግስቲ ክጻፈፍ ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ ድማ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦን፡ እቲ ኣባይቲ ኣብዚ ጊዜዚ በጺሕዎ ዝርከብ ደረጃ-ፍጻሜ ብዘየገድስ ፣ ካብ ውልቀወነንቲ ተወሲዱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ንክኣቱ፣ እቲ ክሳብ ሎሚ ወነንቲ-ኣባይቲ ዘውጽእዎ ናይ ህንጻ ወጻኢታት ድማ ብሚኒስትሪ ህንጻ ተተሚኑን ተገምጊሙን ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ፡ ካብ ኣስመራ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡
The European Union is considering continuing with its controversial development aid to Eritrea totaling 122-million Euros (154-million USD) this year. Widespread opposition is growing in view of unrelenting Eritrean government violation of human and democratic rights. The EU is also criticized for not requiring Eritrea to adhere to acceptable standards of transparency and accountability. Reporters without Borders says the EU is handing over a blank check to the Eritrean government which is globally identified as authoritarian and extreme. Civic and political groups have also expressed disappointment at EU’s continued support of the government.
ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።
እዚ ክቡር ዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ካብ ልዕሊ ዝኾና ናይ ዓለምና ደቀንስትዮ ንኤርትራውያን ይምልከት እንተበልና ድፍረት ኣይቁጸርን። ምኽንያቱ ኣብ ሕሉፍ ገድላዊ ዘመን ብተግባር ኣመስኪረን ብቅዓተን ስለዘረጋገጻ። እዚ ኣርእስቲ ንብቅዓተን ወይ ታሪኸን ንምዝርዛር ኣይኮነን። ብቀሊል ዘይለዓል ሰፊሕ ብምዃኑ። ዕላማና በዚ ኣጋጣሚ ዕለት ኩነታት ናይተን ወደስትን ዘየምትን በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ከኣ ህላወ ተባዓትን ግዳያትን ናይዚ ሕማቅ ግዜ ንምንጻር እዩ።
ኣርባዕተ ሓለዋ (ቦዲጋርድስ) ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሓደጋ መኪና ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
Reporters Without Borders has called on the European Union not to hand over aid worth 122 million euros to Eritrea, after a serious deterioration in conditions for political prisoners and as authorities were launching a new wave of arrests of journalists.
ኣባላት እዛ ማሕበር ንፍትሕን ደሞክራስን ውፉያት ኮይኖም፤ ሞያውያን። ምሁራትን ተቓለስትን ንደሞክራስያዊን ሰብኣውን መሰላት እዮም፣ ብዙሓት ካባና ንነዊሕ እዋን ብሰላማዊ መገዲ ፍትሕን። ደሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፤ ሰላማዊ ርክብን ምዕባለን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ክሰፍን ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለውን እዮም፣ ገለ ካባና ድማ። ጌና ኣባላት ህሉዋት ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት እዮም፣
President Issias impliedly admitted that he could be target of the international tribunals hunt for war criminals and said he would stand by Sudan’s President Omar Al Bashir’s side. “Since this movement [warrant] of the International Criminal Court is not going to be limited to President Al-Bashir alone but is designed to target all nations of the region, we oppose to it by standing on the Sudanese side,” Haddas Eritrea, the government’s daily paper, quoted Issias.
ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
Today, Pre-Trial Chamber I of the International Criminal Court (ICC) issued a warrant for the arrest of Omar Hassan Ahmad Al Bashir, President of Sudan, for war crimes and crimes against humanity.
ጠበቓ ኣቶ ከሰተ ሃይለ ገብረስላሰ ብንዝወረዶም ጽኑዕ ሕማም ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምና ክካየደሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሓሙስ መዓልቲ ብዕለት 26.02.2009 ዓ.ም.ፈ ብሰላም ዓሪፎም።
ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።