Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ስርዓት ህግደፍ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ይኣስር ምህላዉ ዝሕብር ዜናታት ንሰምዕ ኣሎና:: እዚ ምልክት ጭንቀትን ዓቕሊ-ጽበትን ዝኾነ ስጉምቲ'ዚ: ነቲ በብዅርንዑ ብዘገምታ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰዓቱ ሓልዩ ከይነትጕ ምእንቲ: ናይ ራዕድን ሽበራን ኩነት ፈጢርካ ንምዕፋኑን እንተተኻኢሉ ድማ ንምበርዓኑ ዝተወጠነ ናይ ፍርሒ ስጉምቲ ኢዩ::