Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

bond“ቦንድ“ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማይሑጻን ዓዲኣቤቶን ሰንበልን ሓዝሓዝን ማይተመናይን ዝርከብ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ንከሰርሑ ዝተዋህበ መሬት፣ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዛዘመን፣ ሓዲግ መዲግ ስለዝተረፈን፡ ብመንግስቲ ክጻፈፍ ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ ድማ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦን፡ እቲ ኣባይቲ ኣብዚ ጊዜዚ በጺሕዎ ዝርከብ ደረጃ-ፍጻሜ ብዘየገድስ ፣ ካብ ውልቀወነንቲ ተወሲዱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ንክኣቱ፣ እቲ ክሳብ ሎሚ ወነንቲ-ኣባይቲ ዘውጽእዎ ናይ ህንጻ ወጻኢታት ድማ ብሚኒስትሪ ህንጻ ተተሚኑን ተገምጊሙን ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ፡  ካብ ኣስመራ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡