ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ሎሚ 1 ግንቦት 2011 ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ተዛዚሙ፡፡
እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።

ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።