Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ’ዚ ሰሙናት`ዚ ዝወጸ ”ብስም ዝተኣረመ ጸብጻባት ዋዕላ” ዝብል ዝርዝር ጸብጻባት ናይ ሰባትን ጸለመታትን ዝሓዘ እዩ ። እዚ ዘቃልዖ ነገራት እንተሃልዩ ንተኻፈልቲ ዋዕላ ዘይኮነስ ንኣካይዳ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

“ደምዳሚ ኣዋጅ 3ይ ጕባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ 25-26 ሓምለ 2008 ከለን – ጀርመን” ብዝብል መግለጺ ኣብ
ወብሳይታት ቶጎርባ፡ መስከረም፡ ኣሰና ወጺኡ ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ተመልኪቱዎ። ዝበዝሕ በቶም ካብ ሰ.ደ.ኤ.
ኣባልነቶም ዝተሰረዘ ግን ከኣ ስም ሰ.ደ.ኤ ሒዞም ካብ ዝወጹ ኣትሒዞም ንምድንጋር ክጥዕሞም ዝሰርሕሉ ዘለዉ ምዃኑ
ይርድኦን ይፈልጦን ኢዩ። ስለምንታይ’ሲ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ብዛዕቦኦምን ብዝገብርዎ ምድንጋር ምጥቃም ስም
ሰልፍን መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።