ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ማሕበረሰብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጡ ከዛይድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን
ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ መገዲ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ንዝጠፍኡ 400 ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሽወደን ናይ ሽምዓ ምዉላዕ ስነ-ስርዓት ብምድላዉ ንግዳያት ዝኽሪ ጌሮምሎም ኣምስዮም፡፡
ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ዓድና/ኤርትራ/ ክነግስን ክኸብርን ሓቢርኩም ምሳና ክትሳተፉ ብክብሪ ትዕደሙ።
ኣቶ ኣርሀ ሓመድ ናካ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎ ሽወደናዊ እዩ ፡ ኣርሀ ሓመድናካ ኣብ 80 ታት ናብ ሃገረ ሽወደን ከም ፖለቲካዊ ስደተኛ ኮይኑ እዩ መጺኡ ፡፡
ከም ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሃገረ- ሽወደን ብዕለት 15 መስከረም ኣረጋጊጸዮ ዝብል መንቐሊ ኣርስተይ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ኣብ ሃገርና እቲ መሰል ንኩላትና ተነፊጉና፡ ልዕልና ሕጊ ፈሪሱ፡ ምልካዊ ስርዓት ነጊሱ፡ ኩሉ ሰብ7ኣውን ደሞክራሲያውን መሰልና ከምዝተጋህሰ፡ መብዛሕትና ንሰማማዓሉ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ኣቕዲመ ብድሕሪ ባይታይ ክጅምር ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
ኣባለት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር ንማዕቀብ ብይን ቁጽሪ 1907 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዓሙቕ ዘተ ብምክያድ፡ ሕጋውነቱን ኣድማዕነቱን፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ፖሊስኡን ዘነጻጸረ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዃኑን፡ ንጸረ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግጉይ ፖሊስኡ ዝገትእ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ። ምዕራፍ ቁ. 7 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ብምኻድ ዘትይሉ።
ሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።
ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡
ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ብምውህሃድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ብምጽዋዕ ሰፊሕ ጎዘመተ ጀሚረን።
ኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ክገብርዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ርክባቶም ኣብ ምድምዳሙ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝመጽሉ ዕለት 7/10/2008 ክሳብ ዕለት 12/10/2008 ዝነበረ ውጽኢት ስርሓቶም ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደንን መንግስትን፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ከምኡ’ውን ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልትን ኣባላትን ኤርትራውያን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝገበርዎ ርክብን መግለጽን ብዛዕባ ኤርትራዊ ደክራስያዊ ኪዳን ዝሕብር ሕጽር ዝበለ ጸብጻባት ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።
ዝኸበርኩም ዕዱማት! ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብዚ ምህላውኩም ነመስግን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ከኣ ንብል፡