ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 3ይ ክፋል
ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቐድም። ብዙሓት ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ መሰል ውልቓዊ ናጽነተይ ብምግሃሱ፡ ንመሰለይ ምክልኻል ዓገብ ምባል ቕሬታይ ምግላጽጽ፡ ከም ቕኑዕ ሕጋዊ ሕቶ`ዩ ኣሚንኩም ኣብ ጎንካ ኣለና ኢልኩም ብኢመይል ሕልናዊ ደገፍ ሞራላዊ ምትብባዕ ዝገበርኩሙለይ፡ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ክብለኩም ኩርዓት ሓበን ይስማዓኒ።
ከም ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሃገረ- ሽወደን ብዕለት 15 መስከረም ኣረጋጊጸዮ ዝብል መንቐሊ ኣርስተይ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ኣብ ሃገርና እቲ መሰል ንኩላትና ተነፊጉና፡ ልዕልና ሕጊ ፈሪሱ፡ ምልካዊ ስርዓት ነጊሱ፡ ኩሉ ሰብ7ኣውን ደሞክራሲያውን መሰልና ከምዝተጋህሰ፡ መብዛሕትና ንሰማማዓሉ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ኣቕዲመ ብድሕሪ ባይታይ ክጅምር ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።