ከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ‘ዚ፡ እቲ ስርዓት ሰራዊት ኣዋፊሩ ንኹለን ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ማለት ኮድ 4 ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ድሮ ኣኪቡወን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚ ቐጺሉ ነተን ብኮድ 3 ዝንቀሳቐሳ፡ ናይ ትካላት ተሽከርከርቲ ኣብ መፈተሺ ንቝጣታት ደው ብምባል ክእክብን ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ‘ዚ፡ እቲ ስርዓት ሰራዊት ኣዋፊሩ ንኹለን ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ማለት ኮድ 4 ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ድሮ ኣኪቡወን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚ ቐጺሉ ነተን ብኮድ 3 ዝንቀሳቐሳ፡ ናይ ትካላት ተሽከርከርቲ ኣብ መፈተሺ ንቝጣታት ደው ብምባል ክእክብን ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣
ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።
ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝራሕረሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልግል ዝነበረ ተጋዳላይ ግርማጼን ዘርአ ባይራይ፡ ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውሳኔ “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምስ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጹ።
ስርዓት ህግደፍ ደቆም ባዕሉ ዝረሸነሎም ስድራቤታት፡ ናይ ዝተቐትሉ ደቆም መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ናብ ምምሕዳር ዓዲዃላ ጸዊዑዎም ከምዘሎ፡ እዚ ስግንጢራዊ ስራሕ ናይቲ ባዕሉ ገበነኛ ክንሱ ንግዳያት ዘዐዲ ስርዓት ንህዝቢ ኣርሚሙዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብኣንክሮ ገሊጾም።
ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።
እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣባላት ራድዮ ባና ማለት ፈነወ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2009፡ ብዕለት ሓደ ጥሪ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጸሎት ይገብሩ ንዝነበሩ መብዛሕተአን ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣመንቲ ክርስትና ተጸናትዩ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።
ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮን ዝሓለምናዮን፡ እቲ መዳርግቱ ውሑድ ዝኾነ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን፡ ከምሰብ ብክብረት ናይ ምንባር ባህግና ሎሚ ብመንገዲ ኣሰና ብዝቃላሕ ዘሎ ዘሐብን ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ድቕድቕ ጸላም ናብቲ ወገግ ዝበለ ብርሃን ተሰፋ ተገማጊሙ ንዕዘብ ኣሎና።
ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዉሽጢ ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መኸተና ዋሕስ ልኡላውነትናን ዕብየትናን ብዝብል ጉልባብ ንዕለት 07 ታሕሳስ 2008 ካልኣይ ናይ ዝምታ ወፍሪ ከካይድ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቐዳማይ ዝምታ ወያነ ኩናት ክውልዓልና ይቐራረብ ኣሎ ዝብል ወረ ብምንፋስ ንህዝቢ ናብ ዘይተደለየ ሻቕሎት ብምሽማም ማሕፉድኡ መሊኡ:: ሕጂ ድማ ጭርሖኡ ብምትዕርራይ ንኻልኣይ ዝምታ ተበጊሱ ኣሎ።
እታ ናይ ሓሰረ መከራ ምስ ናይ ዶብ ሽግር ዝተኸስተት ኣይኮነትን ጥራይ ቀንዲ ጸጋም ሃገርና። ከምኡ ዘየብል ኣዝዩ ጸላዊ ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ናይ ህላዌ ሃገር ዝፈታተን ጉዳያት እውን በዚ ዘሎ ገዛኢ ኣካል ዝተበተነ ብመደብ ዝተጠንጸሰሰ ከቢድ ኣዝዩ መሰረታዊ ፍሕሶታትን ወጥርታትን ኣሎ። ኣብቲ ኩሉ ናይ ዶባትና ዘጋጠመ ሽግራት ምስ ቅድሚ ምሕራር ኤርትራ ዝተኣልመ ዝተፋሕሰን ገመድ እውን ኣሎ።
ፓትርያርክ ህግደፍ ኣባ ዲዮስቁሮስ ኣብ መውዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንተ ኮይኑሎምውን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብሩ ብመንግሥቲ ህግደፍ ተኣዚዞም ኣለዉ;
ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።
እቶም ደቅኹም ኣህዲምኩም ኢሎም፡ ንስድራቤታት ኤርትራ ዘበሳብሱ፡ ዝኣስሩን ዝመቝሑን ሓለፍቲ ህግደፍ ንገዛእ ርእሶም ደቆም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን የህድሙ ከምዘለዉ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነቲ መሳለዪ ውልቀመላኺኦም ክኸውን ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘአንገዱዎ ፈስቲቫል ንዝተቓወሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኣእማንን ጠራሙዝን ከምዘጥቅዑዎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጸሎት ኣርፊደን፡ ቀጺለን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዳርጋ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝመስል ምህለላ ዘካይዳ ዝነበራ ቁጽረን ብ ገምገም 40 ኣቢሉ ይኸውን ኤርትራውያን ኣዴታት ቅድሚ ትማሊ 27 ጥቅምቲ ብ ኣባላት ጸጥጥታ ህግደፍ ተገፊፈን ድሕሪ ምውሳደን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራ ተኣሲረን ከምዘለዋ ምንጭታት ሓቢሮም።
“ሰሚዕካ ኣለኻ፡ ቅድም ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ሓለፍትና ዝነበሩ ኤርትራ ናጽነታ ምስ ረኸበት ኣይኮነን ኤርትራዊ ሰብ ኤርትራዊ ገረብ ‘ውን ጸባ ክሰቲ ‘ዩ ኢሎም ይጉስጉሱና ነይሮም። ሕጂ ድማ እንሀልካ ኤርትራዊ ሰብን ኤርትራዊ ገረብን ኣይኮነን ጸባ ክሰቲ ብሓባር ይቝረጽ ኣሎ”
ቃል ምስክርነት መንግስትኣብ ግርማይ ብምሉኡ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ
ሳልሳይ ክፋል ቪድዮ ቃል ምስክርነት መንግስትኣብ ግርማይ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ
ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ኣካይዱ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሮ ውድቀቱ ምህላዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ካብቲ ኩሉ ዝሕዝን ግና ህዝቢ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ እዩ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንጥበር ክነብር ኩሉ እቲ ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ሓሳረ መከራ ከጣዕሰና ክነብር ምኻኑ ድማ ጽባሕ ንግሆ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከም ዝህሉ ርጉጽ እዩ::ገለ ካብቲ ን ስርዓት ሕግደፍ ካብ ውድቀት ዘየድሕንዎ ረቓሒታት ክጠቅስ
ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ገይሩዎ ዝጸንሐ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንብረት ናይ ምእታው እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቃውያን ገያሾ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።