Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

mumsኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጸሎት ኣርፊደን፡ ቀጺለን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዳርጋ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝመስል ምህለላ ዘካይዳ ዝነበራ ቁጽረን ብ ገምገም 40 ኣቢሉ ይኸውን ኤርትራውያን ኣዴታት ቅድሚ ትማሊ 27 ጥቅምቲ ብ ኣባላት ጸጥጥታ ህግደፍ ተገፊፈን ድሕሪ ምውሳደን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራ ተኣሲረን ከምዘለዋ ምንጭታት ሓቢሮም።

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።